Sunday , May 19 2024

ከተማ ማልም ዩሮቪዥን ኣብ እተካይደሉ ዘላ ሰሙን ብርቱዕ ሓለዋ ጸጥታ ይካየድ

Credit: Johan Nilsson/TT

ቅነ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ሰሙን፥ በጻሕትን ተቐማጦን ማልም ልዑል ህላወ ፖሊስ፡ ከምኡ’ውን ትራፊክ ዝጸሉ ምኽባብ ከባቢታት ክህሉ ምዃኑ ኣብ ግምት ከእትዉ ከም ዝግባእ ተገሊጹ። ኣብ ከተማ ማልሞ ሓላፊ ጸጥታ ኡልፍ ኒልሰን፡ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ከባቢታት ዩሮቪዥን ቦርሳ ኢድ ምሓዝ ክኽልከል ምዃኑ ጽንዕ ዝበለ ክትትል ጸጥታን ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ። “ነዚ ጽንብል ብዘይ ዝኾነ ስግኣት ጸጥታ ንምስላጥ ኣብ ውሽጢ ሽወደንን ምስ ፖሊስ ኖርዲክን ንሰርሕ ኣለና” ዝበለት ከኣ ፔትራ ስቴንኩላ ካብ ክፍሊ ፖሊስ ማልሞ እያ። ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝነጥፉ ኣገልግሎታት ስለያ፡ ሩስያ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ጎነጽ ዝመልኦ ናይ ምዝራግ ተግባራት ንምክያድ ተወሳኺ ፈተነታት ክትገብር ትኽእል እያ ክብሉ ንመንግስታቶም የጠንቅቑ ከምዘለዉ “ፋይናንሻል ታይምስ” ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ንመንግስቲ ሽወደን ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣረጋጊጹ። እታ ብሪጣንያዊት ጋዜጣ ኣብ ጽሑፋ፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስን ለካቲትን ኣብ ሰሜን ሽወደን ንዝነበረ መስመር ማዕድን ሓጺን ዝጸለወ ምዝንባል ባቡር ዝተኣሳሰር ናይ ዝርጋን ስራሕ ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ ክትብል ሓቲታ’ላ። በዚ ድማ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማልም ኣብ ዝካየድ ውድድር ደርፊ ዩሮቪዥን ልዑል ህላወ ፖሊስ ክረአ እዩ። እዚ እናኾነ ኣብዚ ዓመት ን ሽወደን ዝውክሉ ተወዳደርቲ ብጽምዲ ዝሰርሑ ኖርወጃውያን ደረፍቲ ማርከስን ማርቲነስን እዮም። እስራኤል ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ክትሳተፍ ምኽኣላ ዝምልከት ክትዕ ምስተሓተቱ እቶም ማንታ ኣተኲሮኦም ኣብቲ ውድድር ጥራይ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ኣብዚ ምድላው ዩሮቪዥን ልዕሊ 1000 ሽወደናውያን ስነጥበባውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል እገዳ ክግበር ሓቲቶም እኳ እንተነበሩ፥ ጻውዒቶም ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን። እስራኤል ብ ሃሪኬን ኣቢላ ትሳተፍ ኣላ። – እታ ደርፊ ቅድሚ ሕጂ ዝናብ ጥቅምቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝነበራ ኮይና፡ ነቲ ብ 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተፈነወ ሃንድበታዊ መጥቃዕቲ እትምልከት ምዃና ኣዳለውቲ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ን ቓዛ ዘመሃድር ሓማስ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እቲ ከባቢ ሃንደበታዊ ወራር ብምክያድ 1139 ሰባት ምቕታሉ ናይ ሽዑ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቲ ታሪኻዊ ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን መሊሱ ክኸፍእ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣማኢት ሰባት እውን ተማሪኾም እዮም። እዚ እናኾነ ኣብ ካብ ከተማ ማልም ውጽእ ኢሉ ዝብ ዝርከብ ኣደበባይ ንወጽዓ ህዝቢ ፍልስጤም ብምቅዋም ሰልፍታት ክካየዱ፡ ኣብዚኦም ከኣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክሳተፉ እዮም ዝብል ትጽቢታት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com