Saturday , May 18 2024

ከተማ ዮተቦሪ ዝተቐበለቶም ሓደሽቲ መጻእቲ ብዘይ መንበሪ ክተርፉ ከምዝኽእሉ ይሕበር ኣሎ።

ከተማ ዮተበሪ ካብ ዝተቀበሎቶም ሓደሽቲ ኣስታት 2700 ሓደሽቲ ስደተኛታት ኣብ ዝመጽእ ዓርሒ ግንቦት 2020 ብሰንኪ ዋሕዲ ኣባይቲ ብዘይቤት ክተርፉ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ። ብምምሕዳር እዛ ከተማ ነዞም ስድራቤታት ዝተዋህበ ናይ ክራይ ውዕል ኣብ ወርሒ ግንቦት ግዜኡ ከምዝወድቕ ድሕሪኡ ናበይ ከምዝብሉ ካብ ሕጂ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ብመሰረት ሕጊ 2016 ኩለን ምምሕዳራት ናይ ክልተ ዓመት ውዕል መንበሪ ኣባይቲ ክቕርባን ሓላፍነት ኔርወን። እንተኾነ ምቕጻልን ዘምቕጻል ሰናይ ድሌት ናይተን ምምሕዳራት ኮይኑ፣ ንዕኡ ዝምልከት ዝኾነ ቀያዲ ብዘይምህላዎ እዩ እዚ ሽግር ዝኽሰን ዘሎ ክብሉ ፖለቲከኛታት ይገጹ። ቅድሚ ምውዳእ እዚ ግዜ ካልእ ናይ ኣባይቲ ውዕል ከይህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ምህላዉ ሰባት ኣብ ጭንቂ ይርከቡ። ቈልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ኣባይቲ እንድሕር ዘይረኺቦም ብማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣባይቲ ክረኽቡ እዃ እንተኾንኩ ፡ እዚ ድማ ንወጻኢታት ምምሕዳር ከተማ ክውስኾ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com