Friday , May 17 2024

ኩሎም ኣብ ምምሕዳር ኖርቦተን ዝነብሩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት: ክኽተቡ ይእኽሉ እዮም ተባሂሉ

ኣብ ምምሕዳር ኖርቦተን ዝነብሩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ጸረ ሕማም ኮቪድ፡ ክኽተቡ ከምዝኽእሉ፡ እቲ ምምሕዳር ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ፡፡
ወቕቲ ክረምቲ ይኣቱ ብምህላዉ፡ ሰባት ንውጥናት ዕረፍቶም ከይተሸገሩ ምእንቲ ክምድቡ፡ ንኹሎም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ክታበት ንምውሳድ ቆጽራ ክሕዙ ዕድል ተኸፊትሎም ኣሎ ክትብል ኣዋሃሃዲት ክታበት እቲ ምምሕዳር፡ ፒያ ነስቫል፡ ኣብ ናይቲ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ።
ኣብ መበል 22 ሰሙን ናይዚ ዓመት እዚ፡ 100 ሽሕ ካብ ነበርቲ እቲ ምምሕዳር፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ወሲዶም። ካብዚኣቶም፡ እቶም 57 ሽሕ፡ ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com