Saturday , May 18 2024

ኩሎም ኣብ ሽወደን ዝርከቡ መማህራን፡ ብዛዕባ ጾታዊ ዝምድናታት፡ ትምህርቲ ክወስዱ ክግደዱ እዮም ተባሂሉ

መንግስቲ ሽወደን፡ ንኹሎም ኣብ ቤት ትምህርታት ዝርከቡ መምህራን፡ ብዛዕባ ጾታዊ ዝምድናታት፡ ትምህርቲ ብምሃብ ዓቕሞም ክብ ከብሎ መዲቡ ከምዘሎ  ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ።

ቆልዑን መንእሰያትን፡ ብዛዕባ ጾታዊ ዝምድናታት፡ ጥዕና ዘለዎ ኣተሓሳስባ ከማዕብሉ ምእንቲ፡ ኣብ ክንዲ ካብ ፖርኖግራፊ ኣብ ቤት ትምህርታት ብስርዓታዊ ኣገባብ ክመሃሩ ይግባእ ክትብል ሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ፡ ማቲልዳ ኤርንክራንስ፡ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

ካብ መባእታ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ኣብ ዝህሉ መኣዲ ትምህርቲ ብምምህርና ክቁጸር ዝደሊ ሰብ ጾታዊ ትምህርቲ ግድነታዊ ክወስድ ምዃኑ ዝሓበረት፡ ሚኒስተር፡ እቲ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ክንዲ ” ጾታዊ ርክብን ካልእን” ዝብል ናብ “ጾታዊ ርክብን ዝምድናታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ክትካእ ምዃኑ እውን ኣብሪሃ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ለውጢ፡ ካብ ጽድያ 2021 ንደሓር ተግባራዊ ክኽውን እዩ  ክትብል ሓቢራ።

ዝበዝሑ መማህራን ብዛዕባ ጾታዊ ዝምድናታት እኹል ኣፍልጦ የብሎምን ዝበለት ሚኒስተር ማቲልዳ እዞ ብቕዓት ዘይህልዎም እንተኾይኑ ክምህሩ ምግባር ኣሸጋሪ እዩ ክትብል ትገልጽ።

ቆልዑን መንእሰያትን ሽወደን ዝበዝሐ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘለዎም ርድኢት ካብ ፖርኖግራፊ ከም ዝረኽብዎ እዩ ዝፍለጥ። እቲ ዝርካቡ ምህሮ ጾታዊ ርክብ እውን ዝበለየ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ካብ ኣውራጃ ናብ ኣውራጃ እውን ኣዝዩ ዝፈላለ እዩ። ማሕበር መማህራን ነቲ ውሳነ መንግስቲ ብሓጎስ ከም እተቐበሎ፡ እንተኾነ ኣብ ቅድመ ትምህርታዊ ፕሮግራም እውን ክኣቱ ዘይተገብረሉ ምኽንያት ከም ዘይበርሃሉ ገሊጹ’ሎ።

ብመንነትካ ምኹራዕን ነብስኻ ምፍታውን፡ ካብ ንኡስ ዕድመ ጀሚሩ ክተባባዕ ዝግባእ እዩ  ክብል ፕረሲደንት ፈደሬሽን ትምህርቲ ጆሃና ኦስትራንድ ገሊጻ። መማህራንን ተመሃሮን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ስኽፍ ከይበሎም ክዝትዩ ድማ ግቡእ እዩ ክትብል መልእኽታ ኣመሓላሊፋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com