Friday , May 17 2024

ኩርዳውያን ኣባላት ጸጥታ፡ ኣባላት ጉጅለ ዳዕሽ ንምህዳን ይብገሱ

እዚ ብኣባላት ጸጥታ ኩርዲ፡ ዝተጀመረ ስርሒት፡ ነቲ ኣብ መዕቆብ ስደተኛታት፡ ኣልሆል፡ ህይወት ዓሰርተታት ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ንሰዓብቲ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ንምህዳን ተባሂሉ ዝተጀመረ ስርሒት ምዃኑ እዩ ዝንገረሉ። ኣብዚ ዓመት ዓሰርተታት ሰባት ብመጥቃዕቲታት ዳዕሽ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብዚ ስርሒት፡ ሓደ መልማሊ ዳዕሽን ሸሞንተ ካልኦትን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ውዒሎም ኣለዉ። እዚ ስርሒት እተኻየደሉ መዓስከር፡ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ከም ዝነብሩሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እቲ ስርሒት ነቲ መዓስከር ካብ ኣባላት ዳዕሽ ንምጽራይ ዝተገብረ እዩ ክብሉ እቶም ኩርዳውያና መራሕቲ ጸጥታ ገሊጾም ኣለዉ።

ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝመደብሩ፡ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ፡ ራሚ ዓብዱ’ራሕማን፡ ንፍራንስ 24 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ ምጅማር እዚ ዓመት ኣትሒዙ ኣብቲ መዓስከር፡ 41 ሰባት ምሟቶምን 30 ካብዚኣቶም ዒራቓውያን ምዃኖምን ይገልጽ።

ዛጊት 2500 ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት እተመልመሉ ኣባላት ዳዕሽ ኣብ ቊጽርር ውዒሎም ኣለዉ ክብሉ እቶም ሰብመዚ ጸጥታ ኣመልኪቶም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com