Saturday , May 18 2024

ኩባንያታት ቮልቮን ስካንያን ብኸፊል ስርሐን ክጅምራ እየን።

ኩባንያታት ቮልቮን ስካንያን ዝቕጽል ሰሙን ስርሐን ብኸፊል ክጅምራ ምዃነን ጋዜጣዊ ጸብጻባት ሎሚ ሰሉስ ሓቢረን። ኩባንያ ቮልቮ ካብ ዝቕጽል ሰኑይ፡ ኩባንያ ስካንያ ድማ ኣብ ዝቕጽል ሰሉስ ስራሐን ክጅምራ መደብ ከምዘለወን ሬድዮ ኢኮት (Ekot) ሓቢራ። እዘን ኩባንያታት ፍርያት ኣብ ዝጅምራሉ እዋን፡ እቲ ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት ከጋጥም ዝኽእል ዋሕዲ ናይቲ ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ሽወደን ዝኣቱ ዝነበረ መቀያየሪ ኣቕሑ ከም ቀንዲ ብደሆታተን ክኸውን ከምዝኽእል ጸብጻባት ይግመቱ።

ኣብ ዕዳጋታት ተፈጢሩ ዘሎ ዋሕዲ ጠለብ መካይን ኩባንያ ቮልቮ ተወሳኺ ብደሆ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ግን ንዝተወሳና ፍርያት ኩባንያ ቮልቮ ዝኾና መካይን ዝምልከት ምዃኑ ዋሃብ ቃል ኩባንያ ቮልቮ ምስ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝጅምር፡ ኩለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኩባንያታት መፍረ መካይን ስረሐን ደው ኣቢለን ከምዝጸናሓ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com