Saturday , May 18 2024

ኩባንያ ቮልቮ፡ 412 ሽሕ መካይን ንጽገና ክምለሳ ጸዊዑ

ኣብ ታሪኽ ኩባንያ ቮልቮ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 2.2 ሚልዮን ዝብዝሐን ካብ 2006 ክሳብ 2019 ዘሎ ግዜ ዝፈረያ መካይን ንጽገና ክምለሳ ምጽውዑ ገሊጹ። እዘን መካይን ምስ ናይ መቐነት ዝተሓሓዝ ጸገማት ከምዘለወን ተፈሊጡ። ኣብ ሽወደን ጥራይ ክሳብ 412 ሽሕ መካይን ከምዘለዋ ሬድዮ ሸወደን ሓቢሩ።

ክሳብ ሎሚ ብሰንኪ እዚ ጉድለት ዘጋጠመ ጉድኣት ወይ ሓደጋ ዝሕብር ዝመጻና ጥርዓናት እካ እንተዘየለ ንመጻኢ ሽግራት ንኸየጋጥም ተባሂሉ ዝተገብረ ቅድመ ኩነት እዩ ክብል ወሃብ ቃል እቲ ኩባንያ፡ ስቴፋን ኣልቨስትሮም፡ ሓቢሩ። እቲ ናይ መቐነት ጸገማት ምስ መእሰሪ ኣቻዮ ዝተሓሓዝ ምኻኑ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ።

መቐነት ናይ ቀዳሞት መናብር ምስ ኣካላት ናይ መኪና ብመንገዲ ኣቻዮ ተኣሲሩ ይርከብ። ኣብ ብጣዕሚ ፍሉይ ዝኾነ ኣጋጣሚታት ድማ፡ እዚ ኣቻዮ ክበላሾ ከምዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣጋጣሚ ግን ብሳሕቲ ዝርከብ እዩ።

ወነንቲ ናይዘን ዝተሃስያ መካይን ካብ ኩባንያ ቮልቮ መልእኽቲ ክመጾም እዩ። ባዕላቶም ንኽምርምርወን ዘኽእል ኣገባብ ክንሕብሮምን ናብ ክጽግንሉ ዝኽእሉ ጋራጅ ንኽወስድወን ድማ ቆጸራ ከም ዝሕዙ ክንገብርን ኢና።

እተን ንጽገና ክምለሳ ተሓቲተን ዘለዋ ሞዴል ናይ መካይን ድማ S60፡ S60L፡ S60CC፡ V60፡ V60CC፡  XC60፡ V70፡ XC70፡ S80 ን S80L እየን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com