Sunday , May 19 2024

ኩባንያ ኢንተርስፖርት (Intersport)፡ 12 ኣብ ሽወደን ዝርከባ ትካላቱ ዓጽዩ

ኩባንያ ኢንተርስፖርት፡ 12 ኣብ ሽወደን ዝርከባ ትካላቱ ከምዝዓጸወን መብዛሕትአን ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ዝርከባ ዝነበራ ምዃነን ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስተን ሓቢሩ።

ኩባንያ ኢንተርስፖርት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ብሰንኪ ቅልውልው ኮሮናን ቅድሚኡ ዝነበረ፡ ዝተመጣጠነ ወቕቲ ሓጋይ፡ ዘስዓቦ ኩነታት፡ ዳግመ ስርርዕ ንኽገብር ምሕታቱ ይዝከር። እንተኾነ፡ ብሰንኪ ምንቁልቋል መጠን ኣታዊታቱ፡ ንመሰረታውያን ወጻኢታቱ ክሽፍን ኣብዘይክእለሉ ደረጃታት በጺሑ ምህላዉ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባንያ፡ ማርኮስ ቪቢሪ፡ ነታ ጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። ገለ ክፋል ናይቶም ሰራሕተኛታት፡ ናብ ካልእ ትካላት’ቲ ኩባንያ ክሰጋገሩ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ክፋነዉ እዮም ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com