Sunday , May 19 2024

ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ንመስርሕ ፈተነ ክታበት ኮሮና፡ ኣቋሪጽዎ ተባሂሉ

ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ከሰላስሎ ዝጸነሐ፡ ሳልሳይ ደረጃ፡ መስርሕ ፈተነ ክታበት ኮሮና፡ ንግዚኡ ከምዘቋረጾ ምሕባሩ ተፈሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ፡ ዝካየድ ዘሎ ፈተና ዝሳተፍ ወለንተኛታት  ድሕሪ ምሕማሙ እዩ። ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ስም እቲ ሕማም ኣይጠቐሰን።

ጠንቂ ናይቲ ሕማም ንምፍላጥ፡ ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ መጽናዕታት የካይድ ምህላዉ SVT ሓቢሩ።

ኣብ መስርሕ ፈተና እንከለኻ፡ ናይ ምሕማምን ካልእ ዓይነት ተርእዮታት ኣብ ዘጋጥምሉ እዋናት፡ እቲ መስርሕ ደው ክብል ባህርያዊ እዩ ክትብል ወሃቢት ቃል እቲ ኩባንያ ገሊጹ። ንሓደ ውልቀ ሰብ ዘጋጠሞ ኩነታት ንምፍላጥ፡ እቲ ኩባንያ፡ ገምጋማቱ የቀላጥፍ ኣሎ ክትብል ወሲኻ።

መስርሕ ፈተነ ክታበት ኮሮና፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ብራዚልን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝካየድ ዝነበረ ፈተነ ንግዚኡ ከምዘቋረጸ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ሩስያን ጃፓንን ውን መጽናዕታት ክካየድ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ እቲ ኩባንያ ገሊጹ።

እቲ ኣቋሪጹ ዘሎ መስርሕ፡ መዓስ ከምዝጅምር ዝተፈልጠ ኣይኮነን። ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ግን ኣብቲ መስርሕ መጽናዕቲ ንኽሳተፉ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com