Sunday , May 19 2024
Kia shows the 2021 Kia K5 GT. (Courtesy of Kia America via AP) NYBZ852

ኩባንያ ኪያ (KIA)፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸራ መካይን ክምለሳ ይጽውዕ

ኪያ (KIA) ተባሂሉ ዝፍለጥ መካይን ዘፍርይ ዓቢ ኩባንያ፡ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ካብ ዘለዋ መካይን ብሰንኪ ኣብቲ ብንፋስ ዝተመልአ ናይ ሓደጋ መከላኸሊ ጎማታትት (airbags) ዝተረኣየ ጸገማት፡ እተን 410,000 ዝኾና መካይን ናብቲ ኩባንያ ክምለሳ ከምዝጸወዐ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ መጸዋዕታ ብኣውርኡ ነተን ፎርተ (Forte) ተባሂለን ዝፍለጣ ኣብ ዓመተ 2017ን 2018 ዝተሰርሓ ፍርያት ዝምልከት ከም ዝኾነ’ውን ተሓቢሩ’ሎ። እተን ሴዶና (Sedona) ኮምኡ’ውን ሶውል (soul) ተባሂለን ዝፍለጣ ሞዴላት’ውን ንኽምለሳ መጸዋዕታ ካብ ዝተገብረለን ዓይነታት መካይን ከም ዝኾና ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ደቡብ ኮሪያዊ ዝኾነ መፍረይ መካይን ኩባንያ ከም ዝበሎ እንተኾይኑ፡ ብሰንኪ ምስቲ ጸዓታዊ መለጋግቦታት (electrical connections) ዝተሓሓዘ ጸገም በቲ ብኮምፕዩተር ዝሰርሕ መኽደኒ ናይቲ መጋጠሚ (computer covering couple) ከስዕቦ ብዝኽእል ጸገም፡ ኣብታ መኪና ሓደጋ ምስ ዘጋጥመሉ ግዜ እቲ ብንፋስ ዝተመልአ ተዓጻጺፉ ዝእከብ መከላኸሊ ጎማ ንኸይዝርጋሕ ክዕንቅፎ ይኽእል ይኸውን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ። KIA ከም ዝሓበሮ ብኸምዚ ዓይነት ሽግር ዝተፈጥረ ሓደጋ ዛጊት ከም ዘይተመዝገበ እዩ።

ኣብ ሽወደን ዝርከብ ኩባንያ ናይ KIA፡ እዘን ሞዴላት ኣብ ዕዳጋ ሸወደን ከም ዘይኣተዋ ኣፍሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com