Sunday , May 19 2024

ኩባንያ ፋይዘር፡ ንመጠን ፍርያቱ ወሲኹ

ኩባንያ ፋይዘርን ቢዮንቴክን፡ ንናይ ዓመተ 2021 መጠን ፍርያቱ፡ ናብ 2.5 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ክብ ከምዘበሎ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኩባንያ ፋይዘር፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ 2.3 ክሳብ 2.4 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ከፍሪ መደብ ከምዝነበሮ ምሕባሩ ይዝከር።

ኩባንያ ፋይዘር፡ ምስ ፍርያት ክታበት ብዝተሓሓዝ፡ ንመጀምርያ ግዜ፡ ፋይናንሳዊ ኣታዊታቱ ከምዝሓበረን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 10 ቢልዮን ዩሮ ኣታዊ ረኺቡ ከምዘሎ ገሊጹ።

መጠን ፍርያት ክታበት ኩባንያ ፋይዘር ካብ ዝወሰኹ ረቛሒታት፡ እቲ ኣብ ማርበርግ (Marburg) ጀርመን ዝተዶከነ ሓድሽ ኩባንያ፡ ተወሰኽቲ ብልቃጣት ብምፍራዩ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com