Sunday , May 19 2024

ኩባንያ ፕሪም፡ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባቱ ኣቋሪጹ

ኩባንያ ፕሪም (Preem)፡ ኣብ መጻረይ ነዳዲ ሊሰሺል (Lysekil) ንኽፍርዮ መዲብዎ ዝነበረ ናይ ነዳዲ መደቡ ከቋርጾ ከም ዝወሰነ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ኩባንያ ፕሪም፡ ነዚ ውሳኔ ምምሕልላፉ፡ ኣብ ንግዳዊ ዳኣ እምበር ኣብ ፖለቲካዊ ረቛሒታት ዝምርኮስ ኣይኮነን ክብል ገሊጽዎ።

ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ንቑጠባ ዓለም ብኣሉታ ጸልይዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንፍርያት ነዳዲ ውን ብኡ መንጽር ጸልይዎ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኩባንያ ፕሪም ድማ ነቲ መዲብዎ ዝነበረ ፕሮጀክት ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ኣገዳስነቱ ስለ ዝጎደለ ከቛርጾ ከምተገደደ ሓቢሩ። እዚ ኣብ ንግዳዊ ረቛሒታት ዝሙርከስ ውሳኔ፡ ንመኽሰባትን ተክኒካዊ መዳያት’ቲ ፕሮጀኽት ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ኣብ ዕዳጋታት ዓለምና፡ ጠለብ ነዳዲ እና ኣንቆልቀለ ምምጽኡ ድማ ክርሳዕ የብሉን ይብል።

ኩባንያ ፕሪም፡ ኣብ መጻረይ ነዳዲ ሊሰሺል ካልእ ፕሮጀክት ንምጅማር ክቀላጠፍ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ፕሮጀክት፡ ተተካኢ ጸዓት፡ ንምፍራይ ዝዓለመ ኮይኑ ጠለቡ ኣብ ወቕቲ ቀውዒ ከቕርብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኩባንያ ፕሪም፡ ንዝወሰዶ ውሳኔ ቅቡል ምዃኑ፡ “ንምንቅስቓስ ክሊማ” ዓቢ ዓወት እዩ ዝበለት፡ ግሬታ፡ እቲ ተወጢኑ ዝነበረ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባት፡ ምስ ስምምዕ ፓሪስ፡ ዝሳነ ከምዘይነበረ ኣዘኻኪራ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com