Saturday , May 18 2024

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ክቕጽላ ምኻነን በዓል መዚ ጥዕና ኣፍሊጡ

ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት፡ ክሳብ ዕለት 24 ጥሪ፡ ናይ ርሕቀት ኣገባብ ኣመሃህራ ክቕጽላ ምኻነን በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።

ካብ ሎሚ ዕለት 7 ጥሪ ጀሚሩ፡ እዚ ሓድሽ ውሳነ፡ ግብራዊ ክኸውን በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና እንተኣፍለጠ፡ ሓለፍቲ ቤት ትምህርታት ብወገኖም፡ ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺበሞ፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቶም ክቕጽሉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ። ነቶም ኣብ ትምህርቲ ድኽመት ዘርእዩ ተመሃሮ ድማ ናብ ክፍሊ እንዳጸውዑ ተወሳኺ ትምህርቲ ክህብዎም ከምዝኽእሉ ኣዘኻኺሩ።

ንጉዳይ ምጅማር ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ብዝምልከት፡ በዓል መዚ ጥዕና፡ ንኹሎም ኣባላት ሕብረተሰብ፡ ህዝባዊ መምርሒታት ክኽተሉ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com