Friday , May 17 2024

ካርል ቢልት ንትራምፕ ” ኣብ ሕጊ ሌላን ጒሌላን የለን” ክብል ይምልስ!!

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ነበር ሚኒስተር ካርል ቢልት ንዝለፋ ትራምፕ ” ኣብ ሕጊ ሽወደን ሌላን ጒሌላን የለን” ክብል ተሪር መልሲ ሂብዎ’ሎ። ፕረሲደንት ትራምፕ ጒዳይ ኣመሪካዊ ሙዚቀኛ ራፕ ክሳብ ዝውዳእ እቲ ራፐር ኣብ ቤት ማሕቡስ ክጸንሕ ንዝብል ውሳነ ቤት ፍርዲ ከም ዝዘለፎ ይዝከር።

ትራምፕ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ” ንሕና ንሽወደን ሰብ ውዕለታ ኢና፥ እዚ ክንፍደ ኣይህባኣናን እዩ” ድሕሪ ምባሉ እቲ ሚኒስተር ” ከምቲ ትራምፕ ኣብ ሕጋዊ ጒዳያት ዓዱ ኢዱ ዘየእቱ ንሕና’ውን ኣብ ሕጊ ኢድና ከነእቱ ሞራላዊ ይኹን ፖለቲካዊ ግዴታ የብልናን” ክብል መልሲ ሂብሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com