Saturday , May 18 2024

ካርቦሃይድረይት

ካርቦሃይድረይት ኣብ ንምገቦ መግቢ ይርከብ። ንሶም ከኣ ሽኮር፡ ስታርችን ጽሕግን። ኣካላትና ካብ ሽኮርን ጽሕግን ሓይሊ ይረክብ። ዝተመጣጠነ መግቢ ምስ ንበልዕ ካብ 40-70% ሓይሊ ካብ ካርቦሃይድረይት ንረኽቦ።
ዝተፈላለዩ ዓይነት ካርቦሃይድረይት ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ ቀልጢፎም ናብ ኣካላትና ዝምጸዩን ቀስ ኢሎም ዝምጸዩን ኢዮም። እቶም ቀስ ኢሎም ዝምጸዩ ካርቦሃይድረይት ንኣካላትና ብዙሕን ንዝተናውሐ ግዜን ሓይሊይህብዎ። ኣብነት ክኾኑና ዝኽእሉ ከኣ ካብ ዘይተነፈየ ሓርጭ ዝስርሑ ሕብስታት፡ፓስታ፡ ቡልጉር፡ ጥረታት፡ ኣጃ፡ ኲኖዋ፡ ጸባን ርግኦን (ብዘይ ሽኮር)፡ ኣሕምልትን ፍረታትን።


እዞም ቀስ ኢሎም ዝምጸዩ ዓይነታት ካርቦሃይድረይት ንኣካላትና ቅልጡፍን ንሓጺር ግዜን ሓይሊ ይህቡና፡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ግን መሊሱ ዓቐን ናይ ሽኮር ኣብ ደም ቀልጢፉ ይጎድል። ንኣብነት ልስሉስ መስተ፣ ምቁር ሕብስቲ፡ ብሽኮቲ፡ ጻዕዳ ባኒ፡ ጻዕዳ ሩዝን ፓስታን ከምኡ’ውን ድንሽ።
ስለዚ እቶም ንምገቦም መግብታት ካብዞም ቀስ ኢሎም ናብ ኣካላትና ዝምጸዩ ካርቦሃይድረይት ዘለዎ እንተኾነ ዝበለጸ ኢዩ። ኣብታ ሓሙሽታት ዝተመጣጠንኡ መግብታት እተርኢ ዓንኬል ኣየኖት ኢዮም ዝጥዕናን ዝበለጹ መግብታት ክንርኢ ይከኣል’ዩ። ብብዝሒ ካብቶም ቀልጢፎም ዝምጸዩ ዓይነታት ካርቦሃይድረይ ዘለዎም መግቢ ምስ እንምገብ ልዑል ክብደት ሚዛን ክህልወና ይኽእል ከምኡ’ውን ብሕማም ሽኮርያ ክንጥቃዕ ንኽእል ኢና።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com