Sunday , May 19 2024

ካብ ለበዳ ኮሮና ንላዕሊ ንዓለምና ዘስግኣ ጥሜት እዩ፡ ይብሉ ክኢላታት

ዓለምና ናብ ሓደ ዘይተጸበየቶ ናይ ጥሜት ቅልውላው ተምርሕ ምህላዋን ብምኽንያት ኮሮና ዝኽሰት ጥሜት ካብቲ ለበዳ ዘኸሰቶ መጠን ሞት ዝበዝሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ።

ኣብ ዓለምና፡ ኣብ 2030፡ ቁጽሪ ብዓጸቦ ናይ ዝሳቐዩ ሰባት ናብ 909 ሚልዮን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዝሓበሩ ክኢላታት፡ ኣብ መወዳእታ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ጥሜት፡ መዓልታዊ፡ ኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ኣህጉራዊ ተሓጋጋዚ ማሕበር፡ ኦክስፋም፡ ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም ገሊጹ።

እዚ ለበዳ ሓደ ነገር ብንጹር ንኽንርዳእ ጌሩ’ሎ። ንሱ ድማ ግሎባላዊ ስርዓትና ክሳብ ክንደይ ሃጓፋት ዝመልኦን ኣበይ ክፈርስ ከም ዝጅምርን እዩ” ክብል ዋና ፈጻሚ ዓለማዊ ማእከል ክሽነ (World Central Kitchen) ዝተባህለ ገባር ሰናይ፡ ናተ ሞክ፡ ገሊጹ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ኣብ ዓለም፡ ክሳብ 132 ሚልዮን ሰባት ብጥሜት ክሞቱ ከም ዝኽእሉን እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝተገመተ ክነጻጸር እንከሎ ዝበዝሐ ምዃኑ ክኢላታት ይግምቱ።

ብመሰረት መደበር ዜና ብሉምበርግ፡ ለበዳ ኮሮና ንሰንሰለታት ቀረብ መግቢ፡ ቊጠባዊ ንጥፈታትን ሸመታን ብምልሕላሕ ብዙሕ ምምዝባላት ፈጢሩ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ኩነታት ዘይንቡር ዝገብሮ ነገር እንተድኣ ሃልዩ፡ ሰባት ብጥሜት ኣብ ዝሞትሉ እዋን ምህርቲ ዓለም በንጻሩ እናወሰኸ ይመጽእ ምህላዉን ቅድሚ ሕጂ ንውሕስነት መግቢ ከም ኣርእስቲ ኣልዒለን ተዛሪበናሉ ዘይፈልጣ ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሕጽረት ክሳቐያ ክትርኢ እንከለኻ እዩ። ምስዚ ሓቂ ብቐጥታ ዝገራጮን ምዕባለ ስለ ዝኾነ እዩ።

ሓረስቶት ዋሺንተን ብምኽንያት ምንካይ ዋጋ እኽሊ ፍረታቶም ኣብ ኣታኽልቶም እንከለዉ ክምሽምሹ ተራእዮም።   ኣብ ኲዊንስን ኒውዮርክን፡ ጥሙያት ሰባት ን 8 ሰዓታት ዝኣክል ኣብ ቅድሚ ባንክ መግቢ ደው ምባል ክግደዱ ንርኢ ኣለና ክብሉ እቶም ክኢላታት ስክፍትኦም ይገልጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com