Saturday , May 18 2024

ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ገለ ክፋል ሽወደን በረድ ክወርድ ሙዃኑ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ይሕበር።

በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሽወደን ሎሚ ኣብዝሃቦ ሓበሬታ ካብ ሎሚ ኣማሲኡ በረድ ክህሉ ሙዃኑን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝኸየድ ሓደጋታት ከምዝህሉን ሰባት ዝያዳ ጥንቓቐ ክገብሩ ይመክር።

ብመስረት ሓበሬታ እዚ በዓል መዚ ካብ ሎሚ ምሸት ስጋብ ጽባሕ ቀዳም ካብ 10 ስጋብ 15 ሰ.ሜ ክበጽሕ ዝኽእል በርድ ኣብ ከባቢታት ጃፍለቡሪ፣ዳላርናን ቫርምላንድን ቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ከምዝህሉ ወሲኹ ይገልጽ። ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ዳላርናን ቫርምላንድን ናይ ምንሽርታት ሓደጋ ክህሉ ከምዝኽእል ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com