Sunday , May 19 2024

ካብ መንጐ እቶም ብሓደጋ ነፋሪት ዩክሬን ግዳያት ዝኾኑ ሰባት 10 ዜግታት ሽወደን ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሎሚ ትማሊ ንግሆ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ 10 ሽወደናውያን ተጓዓዝቲ ኣብ ኢራን ኣብ ዝተሓምሸሸት ነፍሪት ምንባሩ ጠቒሱ። ካልእ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ግና ዛጊት ኣይሃበን ኣሎ። ኤምባሲ ዩክሬን ኣብ ኢራን ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ምኽንያት ምብራዕ ናይ ሞተር ሽግር እዩ ኔሩ ክብል ኣፈናዊ ሓበሬታ ሂቡ’ሎ።

እዚ ምሕምሻሻ ብሚሳይል ይዂን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝወረደ ዘይምዃኑ ግና ኣርጊጹ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ 168 ሰባት ቲኬት ቆሮጾም ምንባሮም ድማ ኣመልኪቱ’ሎ።፡ ኣገልግሎት ዜና ኢራን ፋርስ ብረቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ትዊተር ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ነፋሪት ዩክሬኡን ብተክኒካዊ ብልሽት ምሕምሻሻ ገሊጹ’ሎ። እዛ ነፋሪት ካብ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኢማም ኹመይኒ 180 ሰባት ሒዛ ድሕሪ ምብጋሳ እዩ እዚ ምሕምሻሽ ኣጋጢምዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com