Friday , May 17 2024

ካብ ቻይና ዝተላእከ መርዛም ተመን ሞሊቑ

ኣብ ሓደ ኣብ ኡፕሳላ ዝርከብ ዱኳን፡ ኮብራ ዝዓይነቱ ተመን ካብ ሰፈሩ ሞሊቑ ብዙሓት ሰባት ይደልይዎ ከምዘለዉ TT ሓቢሩ።

እቲ ተመን ካብ ቻይና ብመንገዲ ፖስታ ኣብ ባኮ ተዓሺጉ ዝመጸ ኮይኑ እቲ ባኮ ምስተኸፍተ ቀልጢፉ ከም ዝሞለቐ ኣካያዲ እቲ ዱኳን ገሊጹ።

እቲ ተመን ጸሊም ሕብሪ ዘለዎ ኮይኑ ቁመቱ ካብ 30 ክሳብ 35 ሴ.ሜ. ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ናይቲ ዱኳን ሓቢሩ።

ሓደ ናይ ኣትማን ክኢላ ይተሓባበረና ኣሎ። ካብኡ ሓሊፈ ዝፈልጦ ነገር የብለይን ክብል እቲ ኣካያዲ ንጋዜጣ ኡፕሳላ ሓቢሩ።

እቲ ተመን፡ ኣብቲ ዱኳን ዝርከብ ዝሑል ክሊማ ዘለዎ ጨንፈር፡ መቐመጥ ኣትክልትን ኣሕምልትን፡ ተሓቢኡ ክህሉ ከም ዝኽእልን ብሓገዝ ካሜራታት ተጥቂምና ነቲ ተመን ንኽንሕዞ ምእንቲ ንግዝይኡ እቲ ጨንፈር ተዓጽዩ ኣሎ ክብል ኣካያዲ እቲ ዱኳን ሓቢሩ።  

እቲ ጨንፈር ዓቢ ብምዃኑ እቲ ተመን ከምእንደገና ካብ ኢዶም ከይሞልቕ ስግኣት ኣሎ።

ፋጽያ ናይቲ ተመን ንሰምዕ ኣለና፡ እንተኾነ ግን ቦትኡ ክንፈልጥ ኣይከኣልናን ይብል እቲ ክኢላ ናይ ኣትማን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com