Saturday , May 18 2024

ካብ ውሽጢ መኪና፡ ልዑል ድምጺ ሙዚቃ ተሰሚዑ ይብል ኣኽባሪ ሕጊ

ኣብ ማእከል ሞራ፡ ዶለርና፡ ሓደ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ፡ ካብ ውሽጢ ኣሜሪካዊት ናይ 60ታት መኪንኡ፡ ልዑል ድምጺ ሙዚቃ ብምጽዋቱ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ተፈሊጡ። እቲ ፍጻመ፡ ኣብ መጨረሽታ መዓልታት ናይ ወርሒ ሓምለ፡ ሰሉስ ንግሆ ዝተኻየደ እዩ ኔሩ።
መራሕ መኪናን ካልኦት ምስኡ ዝነበሩን ንህዝቢ ብምርባሾም፡ ካብቲ ከባቢ ንኽእለዩ ብፖሊስ ተሓቢሮም። እቶም መንእሰያት ንመጠንቀቕታ ፖሊስ ዕሽሽ ብምባል ነቲ ሙዚቃ ዓው ኣቢሎም ብማእከል ከተማ እናዘወሩ ኮለል ክብሉ እንከለዉ፡ ናይ ፖሊስ መኪና ደድሕሪኦም ክትክተሎም ድሕሪ ምጽናሕ ንኻልኣይ ግዜ ደው ኣቢለሞም።
ኣብ እዋን መርመራ፡ እቲ ኣውቲስታ፡ ሙዚቃ ብጣዕሚ ዓው ኢሉ ነይሩ መስለኒ ንገዛ ምስ ተመለስኩ ብርቱዕ ቃንዛ ርእሲ ገይሩለይ ክብል ከምተዛረበ፡ ኣኽባሪት ሕጊ ዝኾነት ኤዋ ሄንሪክሰን ን P4 ዶላርና ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ።
ናብ ቤት ፍርዲ ከባቢ ሞራ ዝቐረበ ክሲ ዘቖጥዕ ባህርያት ኮይኑ፡ መቕጻዕቱ ድማ፡ ገንዘባዊ ክፍሊት እዩ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ፍጻመ’ኳ እንተኣመነሉ፡ ብዛዕባ ገበን ምፍጻሙ ግን ናይ እምነት ይኹን ናይ ክሕደት ቃል ከምዘይሃበ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com