Friday , May 17 2024

ካብ ዓለምና ዝሃብተማ 10 ስድራቤታት

  1. እንዳ ማርስ (ኣመሪካ)፥ ሃብቶም 70.8 ቢልዮን ዶላር ይግመት። እዞም ስድራቤት ወነንቲ ኩባንያ ማርስ እዮም። መስራቲ እዚ ኲባንያ ፎረስት ማርስ እዩ።
  2. እንዳ ስሊም (ሜክሲኮ)–መጠን ሃብቶም 64.9 ቢልዮን ይግመት። እዞም ስድራ ኣብ ዓመታት 2010-13 ኣብ ዓለምና ቀዳሞት ዝሃብተሙ እዮም ኔሮም። እንተኾነ ብምኽንያት ምንቊልቋል ዋጋ ኮርፖሬሽንን ብርኪን ናብ ካልኣይ ደረጃ ወሪዶም ኣለዉ። ምንጪ ሃብቲ እዞም ስድራ ኲባንያ ግሩፖ ካርሶ እዩ።
  3. እንዳ ዛክበርግ (ኣመሪካ)–መጠን ሃብቲ 63 ቢልዮን ዶላር። መስራቲ ፌይስቡክ ማርክ ዛክበርግን በዓልቲ ቤቱ ፕሪሲላ ቻን ክልተ ደቆምን ወነንቲ እዚ ሃብቲ እዮም።
  4. እንዳ ኤሊሰን (ኣመሪካ)–መጠን ሃብቲ 61.8 ቢልዮን ዶላር። ላሪ ኤሊሰን መስራቲ ዓለምለኸ ኮርፖሬሽን ኦራክል ኮይኑ ንሱን ክልተ ደቁን ነዚ ሃብቲ ይውንንዎ።
  5. እንዳ ቻክሪ (ታይላንድ)–መጠን ሃብቲ ከባቢ 60 ቢልዮን ዶላር።

ን 237 ዓመታት ነታ ሃገር ብንግስነት ዝመርሓ ቤተሰብ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ዓብዪ ኣኽብሮት ከም ዘለዎም ይፍለጥ።

  1. እንዳ ኣልብረኽት (ጀርመን)-መስረትቲ ጒጅለ ሱፐርማርኬት ኣልዲ ዝኾኑ ካርልን ቲዮ ኣልብረኽት እዮም።
  2. እንዳ ፔጅ (ኣመሪካ)፥ መጠን ሃብቲ 52.4 ቢልዮን ዶላር። ተሓጋጋዚ መስራቲ ጒግል ላሪ ፔጅ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን ነዚ ሃብቲ ይውንኑ።
  3. እንዳ ኣምባኒ (ህንዲ)–መጠን ሃብቲ ብግምት 52.3 ቢልዮን ዶላር። ተሓጋጋዚ መስራቲ ዝዓበየ ህንዳዊ ፋብሪካ ዓለባ (ሪላያንስ ኢንዳስትሪስ) እዩ። ክልቲኦም ደቁ ነዚ ኲባንያ ብማዕረ ይውንንዎ።
  4. እንዳ ብሪን (ኣመሪካ)–መጠን ሃብቲ 51.1 ቢልዮን ዶላር። ሰርገይ ግሪን መስራቲ ጒግል እዩ። ምስ ክልተ ደቁ ነዚ ሃብቲ ይውንኖ።
  5. እንዳ ዱማስ (ፈረንሳ)–መጠን ሃብቲ 49.2 ቢልዮን ዶላር። ወነንቲ ፋሽን ሄርሚስ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com