Saturday , May 18 2024

ካብ ጥቕምታት ማይ

=> እኹል ማይ ምስታይ ኣብ ኣካላትና ብባክተርያ ክፍጠር ንዝኽእል መርዚ ወይ ብከላ ብመልክዕ ሽንትን ቀልቀልን ንደገ ንኽወጽእ ልዑል ተራ ኣለዎ። ኲሊት፡ ነቲ መርዚ ካብ ደምና ኣብ ምውጻእ ሓያል ጻዕሪ ተካይድ’ኳ እንተኾነት፡ እኹል ማይ እንተዘይሰቲኻ ግና፡ እቲ ብኩሊት ዝተኣከበ መርዚ ብመልክዕ ሽንቲ ንደገ ክወጽእ ዘለዎ ተኽእሎ ከምቲ ዝድለ ከም ዘይከውን ኢዮም ክኢላታት ዝምዕዱ። 95 ሚእታዊት ካብ ሽንቲ ትሕዝቶኡ ማይ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ 5 ሚእታዊት ካብ ኣካላትና ዝተኣከበ ረሳሕ ሳብስታንስ ምዃኑ ኣይትዘንግዕ።

=> እኹል ማይ ምስታይ ምስ ምንካይ ክብደት ሰብነት ምትእስሳር ከም ዘለዎ ይንገር። ማይ ካብ ዝኾነ ብመልክዕ ፈሳሲ እንወስዶ ሃለኽቲ መግብታት እቲ እንኮ ዝኾነ ካሎሪ ወይ ጸዓት ዘይብሉ ሳብስታንስ ኢዩ። ስለዚ፡ ብብዝሒ ማይ ምስታይና ኣብ ሰብነትና ትርፊ

ካሎሪ ክፈጥር ስለ ዘይክእል፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ክብደት ሰብነትና ኣብ ምንካይ ተራ ከም ዘለዎ ይንገር። ብተወሳኺ ብብዝሒ ማይ ምስታይ ብዙሕ መግቢ ንኸይትወስድ ከም ዝሕግዝን ከምኡ’ውን መግቢ ሜታቦላይዝ (መግቢ ናብ ዝደቐቐ ሳብስታንስ ዝቕየረሉ መስርሕ) ኣብ ምግባር ከም ዘቀላጥፍን እቶም ክኢላታት ይገልጹ።

=> ኣብ እንመገበሉ እዋን ልዑል ዓቐን ማይ ምስታይ ኣየድልን። ኣብ እንምገበሉ እዋን ከስዐና ነቲ መግቢ ንምሕቃቕ ኣሲድ የንዝዕ ኢዩ። ብዙሕ ማይ ምስ እንሰቲ ግና፡ እቲ ማይ ነቲ ኣሲድ ስለ ዘቃጥኖ መግቢ ናይ ምሕቃቕ ጸገም ከጋጥመና ንቡር ኢዩ።

ምንጪ፥- health is wealth


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com