Saturday , May 18 2024

ካብ ጽባሕ ዕለት 7 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ሽወደን፡ ማስክ ምውዳይ ክጅመር እዩ

ካብ ጽባሕ ሓሙስ ዕለት  7 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ሽወደን፡ ማስክ ምውዳይ ግብራዊ ክኸውን እዩ ክብል በዓልመዚ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓቢሩ’ሎ።

ቅድሚ ዓመተ 2004 ዝተወልዱ ሰባት ኮይኖም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን፡ ማስክ ክጥቀሙ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።  ካብ 7-9 ቅ/ቀ ከምኡውን ካብ 16-18 ድ/ቀ ኣብ ዘሎ ግዜያት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣብ ዝጥቀምሉ እዋን እዚ መምርሒ ግብራዊ ክኸውን ምዃኑ በዓል መዚ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መርበብ ሓበሬትኡ ሓቢሩ።

ካብ ማስክ ምውዳይ፡ ርሕቀትካ ምሕላው ዝያዳ ኣድማዕነት ኣለዎ ክብል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኔል፡ ኣቀዲሚ ሓቢሩ ኔሩ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት፡ ተጸቓቒጥካ ምኻድ ከተወግዶ ስለ ዘይከኣል ማስክ ምውዳይ ግድነታዊ ኣማራጺ እዩ ክብል ወሲኹ።

እቲ ዝውደ ማስክ ናይ CE ምልክት ክህልዎ ኣለዎ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ድማ ብቕዓት ኣውሮፓዊ ሕብረት ዘመልክት እዩ ተባሂሉ ኣሎ።  መብዛሕትአን ኩባንያታት መጓዓዝያ እታ ሃገር፡ ውልቀሰባት፡ ማስኮም ሒዞም ክመጹ  ለበዋ ከቕርባ እንከለዋ፡ ገሊአን ኩባንያታት ግን ኣብ  ዱካናተን ማስክ ክሸጣ ከም ዝኽእላ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ማስክ ክንጥቀም ኣሎናዶ የብልናን ዝብል ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ጸኒሑ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብወገኑ፡ ሽወደን ግድነታዊ ምጥቃም ማስክ ከተተኣታቱ ኣለዋ ኢሉ ተላብዩ ምንባሩ እውን ዝፍለጥ እዩ። ተቓወምቲ ውድባት ብወገነን ንመንግስቲ ማስክ ምውዳይ ከገድድ ጸዊዐን ነይረን። መንግስቲ ሽወደን፡ ብ 18 ታሕሳስ 18 ካብ ፓርላማ  ስልጣን ምስ ረኸበ፡ ብዙሓት ሕግታት ለበዳ ከምዘውጸአን እዚ ጽባሕ ዝጅምር መምርሒ ድማ ሓደ ካብቶም ሕግታት እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com