Saturday , May 18 2024
chapat (AP Photo/ Rajesh Kumar Singh)

ኬንያዊ ተማሃራይ፡ ሓሙሽተ ቻፓቲ ብምብልዑ ተገሪፉ

ሓደ ኬንያዊ ተመሃራይ ኣብ ክንዲ እታ እተወሰነትሉ ሓንቲ መቑነን ቻፓቲ ሓሙሽተ ብሓንሳብ ብምብልዑ ብዝወረዶ መግረፍቲ ኣብ ገምገም ሞምባሳ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ይእለ ምህላዉ ተገሊጹ።

ነዚ ተመሃራይ ዝገረፍዎ መማህራን እዮም ተባሂሎም ክውቀሱ እንከለዉ ምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርቲ ግና ነዚ ዝገበሩ መሳቶኡ ተመሃሮ እዮም ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ። ወዲ 13 ዓመት ተመሃራይ ብሰንኪ ዝወረዶ ማህረምቲ ኣካላቱ ጸሊም በሰላ ከም ዝወረዶን እናተሃርመ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ ምህላዉን ዜናታት ውሽጢ ሃገር ይሕብራ ኣለዋ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ወዶም ዝወረደ ተግባራት ክሳብ ሰሙን ዝሓልፎ ከም ዘሓበሮም ብምግላጽ ወለዲ ተመሃራይ ከሲሶም ኣለዉ። እቲ ህጻን ተመሃራይ ኣብ ከባቢ ብልዕቱን ኲሊቱን ማህሰይቲ ከም ዝወረዶ ዝኣልይዎ ዘለዉ ሓካይም ይሕብሩ። እዚ ፍጻመ ኣብ ኬንያ ቊጥዐ ፈጢሩ ምህላዉ BBC ንገለ ናይ ትዊተር ሓበሬታታት ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። ሓንቲ ካብዚኣተን “ብሰንኪ ቻፓቲሲ ክንድዚ ጎነጽ?! ሰብኣውነት ናበይ ኣበለ? ምምህርና እኮ ስራሕ ጥራይ ኣይኮነን፥ ኣምላኽ ዝህበና ሓላፍነት እውን እዩ። እዚ ኣመና ዘሕዝን እዩ” ትብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com