Friday , May 17 2024

ኬንያውያን ግዳያት መጥቃዕቲ ኤምባሲ ኣመሪካ መድልዎ ካሕሳ ገጢሙና ይብሉ።

ኬንያዊት ሰራሕተኛ፡ ዳያና ሙቲስያ፡ ቅድሚ 22 ዓመታት ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ናይሮቢ ብኣልቃዒዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝቖሰለት እያ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ጒድኣት ዝወረዶም ኣመሪካውያን ካሕሳ ክቕበሉ እንከለዉ ንሳ ግና ምንም ዘይምርካባ ከም ዘጒሃያ ድማ ትገልጽ። እተን ክልተ ምፍንጃራት ከጋጥማ እንከለዋ ብስራሕ ጥቓ እቲ ኤምባሲ እያ ኔራ። በቲ ነትጒ ኣርባዕተ ምስኣ ዝነበሩ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ንሳ ውኖኣ ኣጥፊኣ ከም ዝወደቐትን ንሕክምና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዳ ካብ ዓንዲ ሕቖኣ 15 ስኩጆታት ከም ዝወጸላ ትገልጽ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሱዳን ነዞም ግዳያት ናይ 335 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከም ዝኸፈለትን፡ በዚ ድማ ካብ ዝርዝር ግብረሽበራ ዝምውላ ሃገራት፡ ክትወጽእ ከም እተገብረን ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ዝርዝር ካሕሳ ዝኣተዉ ስድራቤት ኣመሪካውያን ግዳያትን ሰራሕተኛታት ኤምባሲን ምዃኖም ከም ዘሕዘና ገሊጻ’ላ።

ብመሰረት እዚ መምርሒ፡ ዝበዝሑ ካብቶም 5000 ኣብ ልዕሊ ኤምባሲታት ኣመሪካ ናይሮቢን ዳር’ሰላምን እተጠቕዑ ሰባት ካሕሳ ኣይክረኽቡን እዮም። “ከምዚ ዝበለ ውዕል ካሕሳ ምስ ሰማዕኩ ብጣዕሚ እየ ሓዚነ፥ ንሕና እውን እኮ ግዳያት እዚ ንኣኣቶም ግዳይ ዝገበሮም ኣካል ኢና። ኣብ ግምት ከእትዉና ምተገብአ ኔሩ” ክትብል ሙቲስያ ን ቢቢሲ ገሊጻ። “ኲልና ደቂ ኣዳም ኢና፥ ኣመሪካዊ ደም ብሉጽ ዝገብሮ መን እዩ። ንሕና ንጹሃት ሰባት ኢና ግዳያት ኴንና። እቶም ኣሸበርቲ ንኣመሪካውያን ዕላማ ጌሮም እዮም ተበጊሶም…ተለኪምና” ኢላ። ሕማም እቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይገደፋን ወርሓዊ ክሳብ 750 ዶላር ን ሕክምና ከም እተጥፍእን ድማ ወሲኻ ገሊጻ።

ብመሰረት እቲ ዝወጸ መምርሒ፡ ካሕሳ ስድራቤት ግዳያት ኣመሪካውያን፡ 3 ሚልዮን ዶላር፥ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኸኣ 400 ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክቕበሉ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com