Saturday , May 18 2024
A Kenya police officer (AP Photo/Brian Inganga) AAS112

ኬንያ ንጥርጡራት ገበን፡ ኣረኪባ

ኬንያ ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ብገበን ቅትለት ዝድለዩ ክልተ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣረኪባቶም። እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ክሊማኒ ኣብ ዝተባህለ ናይ ዕዳጋ ቦታ ናይሮቢ ከም እተታሕዙ ዳይረክቶረት ምርመራ ገበን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዞም ኣሌክስ ስሚዝ ንዝተባህለ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ካምደን ላንደን፡ ኣብ 2019 ብካራ ብምቕታል ዝጥርጠሩ ክልተ ሰባት ክስትለሙ ኣህጒራዊ ናይ መቐየዲ ፍቓድ ከም ዝወጸሎም እቲ ዳይረክቶረት ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ነቲ ካራ ኣብ ኣካላት ግዳይ ዘእተወ ሓደ ካብዞም ገበነኛታት ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብቲ ገበን ዝተዋፈሩላ ዝተሰርቀት መኪና ዘዳለወ እዩ ክብል ሜትሮፓሊታን ፖሊስ ብሪጣንያ ገሊጹ’ሎ።

ኣብቲ ቅትለት ኢድ ኔርዎም ዝበሃልህ ክልተ ካልኦት ኣብ ላንደን ተኣሲሮም ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com