Sunday , May 19 2024

ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት: መዓስከር ስደተኛታት: ክትዓጹ ምዃና ገሊጻ

እዚ ዝተባህለ ኣብ መንጐ ፕረሲደንት ኬንያታን ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ድሕሪ እተገብረ ርክባት እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብዘን መዓስከራት ልዕሊ 400 ሽሕ ስደተኛታት ከም ዝቕመጡ ይፍለጥ። ዝበዝሑ ካብዞም ልዕሊ 400 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቚባን ካብ ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ምዃኖም ይፍለጥ።

“ኣብዘን መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብኸመይ ክተሓዙ ኣለዎም ዝብል መርሓ መንገዲ ንምትላምን ንምስላጥን ሓደ ናይ ሓባር ጒጅለ ከቑሙ ምዃኖም ድማ መንግስቲ ኬንያን ወኪል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ተሰማሚዖም ኣለዉ” ክብል ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣብ ምጅማር ናይ ዝሓለፈ ወርሒ: ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ንምምዝባል ስደተኛታትን መፍትሒኡን ኣመልኪቱ ንኬንያ “ቀጻልነት ዘለዎ ኣብ መሰል እተመርኰሰ ስጒምታት” ክትወስድ እማመ ኣቕሪቡላ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እዚ እማመ: ስደተኛታት ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ክምለሱ፥ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰናበቱ፥ ገሊኣቶም ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ድማ ኣብ ኬንያ ክጸንሑ ዝብል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com