Saturday , May 18 2024

ክለብ ኣይኮ ብሽቶ ሄኖግ ጎይቶም ተሓጊዛ ደረጅኣ ተመሓይሽ

ስጋብ ሕጂ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሽወደን ኣልስቫንስካ ካብ ዝተኻየዱ ውድድራት ክለብ ኣይኮ ካብ 8 ግጥማት 3 ስዕረት 2 ማዕረ ብምእንጋድ ኣብ ዝኼፍኤ ምጅማር እዚ ውድድር ድሕሪ ምጽናሕ ፣ትማሊ ምስ ኣብ ደሓን ኩነታት ዝጸንሔት ክለብ ስሩስ ኣብ ዝገብረቶ ውድድር ኣብ መብል 75 ደቂቅ ብእንኮ ሸቶ ሄንግ ጎይቶኦም ናብ ዓወት ተመሊሳ።

ስጋብ ሕጂ ካብ ዝተኻየድ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ኣልስቫኒስካ ክለብ ኖርሾቢንግ ካብ 7 ግጥማት ብ 17 ክትመርሕ ከላ፣ ክልብ ዩርግጎርደን ካብ 8 ጸወታ ብ 13 ካልኣይቲ ከምእውን ክለብ ኤልፍስቦርይ ካብ 7 ጸወታ ብተወሳሳሊ ነጥቢ 13 ሳልሳይ። በዚ ናይ ትማሊ ዓወት ክለብ ኣይኮ ካብ ዝነብረቶ ዓዘቕቲ ወጽያ ካብ 8 ግጥማት 11 ነጥቢ ብምእካብ ኣብ 6 ደርጃ ክትስራዕ ከላ፣ ሎሚ ዓመት ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረላን ገለ ክፍል ብርኪ ብ ኮኾብ ተጻዋትይ ዛላታን ኢብራሂሞቪች ትውነን ክለብ ሃመርቢ ካብ 7 ጸወታታት 8 ነጥቢ ብምምዝጋብ ኣብ 12 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com