Saturday , May 18 2024

ክለብ ፒኤስጂ ንቦኽሪ ዓወት ቻምፒዮን ሊግ ተቛምት

ሎሚ ምሸት ፈረንሳዊት ክለብ ፒኤስጂ ነታ ብመንእሰይ ኣሰልጣኒ ንግልስ ማን እንዳተኣልየት ኣብ 10 ዓመታ ተኣምርን ታሪኽን እንዳ ሰርሐት ኣብ ቦኽሪ ስታፊኣ ናብ ፍርቂ ፍጻሜ ቻምፒዮን ሊግ ክትበጽሕ ዝኽኣለት አርቢ ሌፕዚግ ማርኪንሆስ(13)፣ዲማርያ(42) ከምእውን ካብ በርናት(56)ብዝረኸበተን 3 ሸቶታት ብምስዓር ናብ ፍጻሜ ሰጊራ። ክለብ አርቢ ሌፕዚግ ብትሑት ባጀት ኣብዚ ደርጃ ምምብጻሓ ካብ ቡዙሓት ናእዳ ክትረክብ ከላ፣ ክለብ ፒኤስጂ ብወገና ኣብ ታሪኻ ንመጀመርያ ግዜ ናብዚ ደርጃ ብምብጻሕ ድሮ ሓዲሽ ታሪኽ ንምስራሕ ኣሃዱ ትብል።

እዛ ብዘይተኣደነ ወጻኢታት ዝተሃንጸት ክለብ ፒኤስጂ ኪኖ ፈረንሳ ዝዓለመ ጥሙሕ ዓብላልነት ሎሚ ዓመት ብደገፍ ኮዋኽብታ ነይማርን ኤምባበ ተሰንያ ተተግብሮ ትመስል። በዚ መሰረት ኣሰትጣኒ ቶማስ ቱሸል ትእለ ፒኤስጂ ሰንበት ኣብ ግጥም ፍጻሜ ካብ ባየርሙኒኽ ወይ ሊዮን ዝሓለፈት ትጽበ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com