Sunday , May 19 2024

ክሪስተርሶን፡ ንኣሌክሳንደር ስታብ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ሰዲዱ

Credit: Sergei Grits/AP

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ኣሌክሳንደር ስቱብ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቱ ሰዲዱ። ኣብቲ ብቕድሚ ትማል ሰንበት ዝተኻየደ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ፊንላንድ ስቱብ ኣብ ልዕሊ መወዳድርቱ ኣባል ሓምለዋይ ሰልፊ ፔካ ሃቪስቶ ምዕዋቱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን ኣለዋ። ክሪስተርሾን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ”ንኣሌክሳንደር ልባዊ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽተይ ክሰድድ ደስ ይብለኒ፥ ፊንላንድ ናይ ቀረባ ዓርክናን መሻርኽትናን እያ። ምትሕብባርና ንምድንፋዕ ከኣ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሽወደን ክንራኸብ ብሃንቀውታ ይጽበ ኣለኹ” ኢሉ’ሎ። ካብ ማእከላይ የማናዊ ሰልፊ ዝመጸ ከምኡ’ውን ኣቐዲሙ ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ዝነበረ ስታብ፥ ንፖሊሲ ወጻኢን ጸጥታን እታ ሃገር ክመርሕ፡ ኣብ ኣኼባታት ኔቶ ንፊንላንድ ክውክል፡ ዝመጽእ ባሕቲ መጋቢት ስልጣኑ ብዕሊ ምስ ተረከበ ኸኣ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኮይኑ ብወግዒ ስርሑ ክጅምር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com