Friday , May 17 2024

ክቡራት ሰዓታት ዝወድዩ ሰባት ክጥንቀቑ ፖሊስ ጸዊዑ!!

ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ስርቂ ከምኒ ሮሌክስ ዝኣመሰላ ኣማኢት ኣሽሓት ክሮነር ዝዋጋአን ሰዓታት ገርጊሩ ምህላዉ ብምምልካት ወደይቲ ሰዓታት ክጥንቀቑ ፖሊስ ሓቢሩ’ሎ። ብፍላይ ኣብ ከባቢ ኡስተርማልም እዚ ከም ዝተራእየ ድማ እቲ ጸብጻብ ኣመሊኪቱ’ሎ። ፖሊስ ነዚ ስርቂ ንምዕጋት ኣብቲ ከባቢ ብብዝሒ ተዋፊሮም ምህላዎም ድማ ተገሊጹ።

መርማሪ ፖሊስ ዳኒኤል ሆርነር ምስ ስቨንስካ ዳግብላዴት ኣብ ዝገበሮ ዕላል ከምዚ ዝበሉ ስርቂ ብርቕቕ ዝበለ ኣገባብ ከም ዝፍጸምን ቃጻን ጎነጽን ከም ዝጥቀሙን ድማ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ዛጊትኣብ 2019 ጥራይ 136 ሰባት ሰዓቶም ተሰሪቖም ምህላዎምን ሰረቕቲ ብፍላይ ንሮሌክስ ሁብሎት ኦድማር ፒጌትን ብሬትሊግን ዝዓይነተን ሰዓታት ከም ዝሃድኑ ተፈሊጡ’ሎ።፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com