Friday , May 17 2024

ክብረ ወሰን ፔሌ ኣይተሰብረን ትሙጉት ብራዚላዊት ክለብ ሳንቶስ

ብራዚላዊት ክለብ ሳንቶስ ኣብዚ ሓለፈ ሰሙን ብ ኣርጀንቲናዊ ለዮነል መሲ ብ 644 ዝተስብረ ብዝሒ ሸቶታት ኣብ ሓንቲ ክለብ ዝብል መጎተ ፍጹም ከምዝይተቅበሎ ተፍልጥ። ብመስረት ሓበሬታ እዛ ክለብ ፔሌ ዘቑጸሮም ብዝሒ ሸቶታት እዛ ክለብ 1,091 ሙኻኑን መሲ ነዚ ሪከርድ ንምስባር ተወሳኺ 448 ሸቶታ ከምዝተርፎ ትገልጽ። እዛ ክለብ ብምውሳኽ ፔሌ ኣብ ግዜ ውድድር ብዝሒ ሸቶታት ዘቑጸሮም 448 ሙኻኖምን ተወሳኺ ኣብ ናይ ምሕዝነት ጸወታታት ድማ 448 ከምዘቑጸረን ስለዚ ሜሲ ነዛ ክዳሮጎ ኣለዎ ብምባል እያ ነዚ ብመሲ ዝተመዝገበ ሓድሽ ሪከርድ ከምዘይትቅበሎ ዘፍለጠት።

ብመስረት ተንተንቲ ማእከልናት ስፖርት እዚ ብ ክለብ ሳንቶስ ዝቐረበ ቅረታ ፔሌ ምስ ንኣሽቱ ክለባት ዘመዝገቦ ስለዝኾነ ተቀባልነይ የብሉን ክብሉ ከለዉ፣ ብኻልእ ወገን ድማ ስጋብ እዚ ምሕዝነታዊ ጸወታ ብ ፊፋ ኣፍልጦ ስጋብ ዝሃልዎ ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዘለዎ እዩ ርእይትኦም ዝህቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com