Friday , May 17 2024

ክትባት ዝወሰዱ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ሰባት ክራኸቡ ከምዝኽእሉ፡ ተገሊጹ

ክታበት ኮቪድ-19 ዝተኸትቡ ሰባት፡ ምስ ካልኦት ሰባት፡ ኣብ ዕጹው ኣደራሻት ከይተረፈ፡ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን’ ኳ እንተሓበረ፡ እዚ ማለት ግን፡ ክንዛነ ኣለና ማለት ኣይኮነን ክብል ከም ዘዘኻኸረ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

መምርሒታት ኮሮና፡ ገና ጽኑዓትን ክስራሓሎም ምዃኑን ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ለና ሃለንግሪን፡ ምስ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ገሊጻ።

እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ነቶም ብውሑዱ ሓደ ብልቃጥ ክታበት ዝወሰዱ ሰባት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ድማ እታ ካልኣይቲ ብልቃጥ ክታበት ክወስዱ፡ ሃለንግሪን፡ ኣዘኻኺራ።

እቲ መልእኽቲ ናይዚ ሓደሽ መምርሒ፡ ብዝያዳ ነቶም ሽማግለታት እፎይታ ዝህብ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ለበዳ፡ እዞም ሽማግለታት፡ ካብ ቤተ ሰቦምን ፈተውቶምን ተፈልዮም ብተነጽሎ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ብምዃኖምን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሓገዝ ክረኽቡ ብዘይ ምኽኣሎም፡ እቲ ዘሕለፍዎ እዋን ከቢድ ከምዝነበረ ይዝከር ክብል ዳይሬክተር ጀርነራል በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ዮሃን ካርልሶን፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com