Sunday , May 19 2024
Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ክትባት ጸረ ኮሮና ሽወደን ኣብ እንስሳ ተፈቲኑ ውጽኢታዊ ኮይኑ ከም እተረኽበ ተገሊጹ።

ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ሽወደን ዝሰርሑ ተመራመርቲ ቀዳማይ ገጽ ፈተነ ክትባት ጸረ ኮሮና ኣብ ማናቲለ ተፈቲኑ ኣዕጋቢ ውጽኢት ከም እተረኽቦ ገሊጾም ክትብል ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ኣብ ትካል ካሮሊንስካ ክኢላ ባዮኬሚካላዊ-ትንተና ፕሮፌሰር ማቲ ሲልበሪ እዚ ክትባት ኣድላዪ ኣንቲቦዲስ ብምምንጫው ውጽኢታዊ ኮይኑ ከም እተረኽበ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝመጽእ ዓመት እዚ መድሃኒት ኣብ ሰባት ንምፍታን ምድላው ይገብሩ ምህላዎም ድማ እቶም ተመራመርቲ ኣብሪሆም። ኣብ ወርሓ ጥሪ ተመራመርቲ ቻይና ጀነቲካዊ ቅርጺ ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ ምርካቦም ክትባት እዚ ቫይረስ ንምድላው ዓለም ለኻዊ ውድድር ምጅማሩ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ክትባት ናብ ሰባት ክሳብ ዝጅመር ካብ ዓመት ክሳብ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ክወስድ ከም ዝኽእል እኳ እንተተገልጸ ተመራመርቲ ኦክስፎርድ ግና እዚ ክትባት ኣብ ወርሓ መስከረም ክወሃብ ክጅምር እዩ ክብሉ ዝሓለፈ ሰሙን ምሕባሮም ዝዝከር እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብሪጣንያዊ ተመራማሪ ፕሮፌሰር ዳቪድ ናባሮ ክትባት ኮሮና ምምዕባል ዝሕሰብ ኣይኮነን ክብል ርእይቶኡ ሂቡ’ሎ። ተመኲሮ ሽወደን ዝመርሕ ዘሎ ማቲ ሳልበሪ ነዚ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል” ሓቂ’ዩ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ይኽሰት እዩ፥ ኣብዚ ጒዳይ ግና ኣይመስለንን” ኢሉ። ኣብ መላእ ዓለም ብጠቕላላ 70 ናይ ክትባት ፕሮጀክቲታት ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ኲሎም ክፈሽሉ ዘይሕሰብ እዩ ድማ ኢሉ።

እዚ ሽወደናውያን ዝምህዝዎ ዘለዉ ክትባት ኣንጻር ኮሮና ጥራይ ዘይኮነ ኣንጻር ኲሎም ዓሌት ኮሮና እዩ ዝዓዪ ተብሂሉ’ሎ። ብመሰረት ተታሒዝሉ ዘሎ ፕሮግራም ኣብ ክልተ ወይ እንተነውሐ ሰለስተ ዓመት ክውዳእ እዩ። “ብዝግታ ኢና ንጐዓዝ ዘሎና” ይብል ኣብቲ ትካል ዝዓዩ ፕሮፌሰር ዓሊ ማራዚሚ። እዚ ኣብ ማናቲለ ተፈቲኑ ጽቡቕ ውጽኢት ተረኺብዎ ዘሎ ክትባት ኣብ ኣናጹ እውን ክፍተን ምዃኑ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሰባት ምፍታን ክጅመር እዩ ። ዋላኳ በቲ ንቡር ፍጥነት ከምዚ ዓይነት ምርምር ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ዝወስድ እንተኾነ በዚ ሕጂ ዘሎ ፍጥነት ኣብ ዓመታት 2022 ወይ 2023 እዚ ክትባት ምፍራይ ክንጅምር ኢና ክብል ዓሊ ማራዚሚ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com