Saturday , May 18 2024

ክንክን ኣእጋርን ሕማም ሽኮርን!!

ብሕማም ሽኮር ዝተጠቓዕካ ግዳይ ምስ እትኸውን፡ ብሓያሎ ጸገማት ናይ ኣእጋር፡ ንኣብነት ቁስሊ፡ ክትሳቐ ትኽእል ኢኻ። ሓካይም ከም ዘመልክትዎ፡ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ብመጉዳእቲ መትንታትን ሻምብቆታት ደምን ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። እዚ፡ ንረኽሲ ቆርበትን ካልእ ቁስልን ዝተቓልዑ ይገብሮም። ኣብ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ዙረት ደም ናይ ምድንጓይ ባህሪ የርኢ እዩ። በዚ እቲ ቆሲሉ ዘሎ ክፍሊ ሰብነት ቀልጢፉ ክሓዊ ኣይክእልን።

ምስ ሕማም ሽኮር ዝነብሩ ሰባት፡ ግቡእ ክንክን ምስ ዘይገብሩ፡ ህዋሳዊ (sensory) ስምዒቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተሓተ እዩ ዝኸይድ። ኢዶም ወይ እግሮም ተጎዲኦም እንከለዉ ከይተሰምዖም ነዊሕ ክኸዱ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ረኽሲ ተጋዲዱ ትረኽቦ። ሽኮር ኣብ ኣካላትና ንዘጋጥመና መጉዳእቲ ብቐሊሉ ግዜ ከይበልዐ ንኽሓዊ ናይ ምዕንቃጽ ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ኣካላትና ብፍላይ ድማ ኣብ መሓውርና ኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ከም ዘለና እዮም ሓካይም ዝመኽሩ። ሽኮር ዘለዎ ሰብ ካብዞም ዝተጠቕሱ ጸገማት ንምግልጋል፡ ከዘውትሮምን ከዘውትሮም ዘይብሉን ምኽርታት ስዒቦም ተዘርዚዎም ኣለዉ ክንጥቀመሎም ይግባእ። ከዘውትሮም ዘለዎ፦

 => መጠን ሽኮር ኣብ ደምካ መዓልታዊ ክትልክዖ ይግባእ። ኣብ ግዚኡ ግቡእ ሕክምናዊ ፍወሳ ትገብር ብምህላውካ፡ ነቲ ሽኮር ተቖጻጺርካዮ ከም እትርከብ ከተስተብህል የድሊ። ብግቡእ ክንክንን ኣብ ግዜኡ ፍወሳን ዝገብር ግዳይ፡ ካብቲ ክንክን ዘይገብር፡ ብረኽስን መቑሰልቲ ኣእጋርን ካልእ ክፍሊ ሰብነትን ክሳቐ ዘለዎ ተኽእሎ ዝተሓተ እዩ።

 => ኣእጋርካ መዓልታዊ ክትሓጽቦ ይግባእ።ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት መዓልታዊ ኣእጋሮም ብሳምናን ልብጥ ብዝበለ ማይን ክሓጽቡዎ ይምከር። ኣእጋሩ ብዝግባእ ከንቅጾ’ውን ይግባእ። ኣብ ኣእጋሩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣጻብዕቱ፡ ጠሊ ከም ዘየለ ከረጋግጽ ይምከር። ነዚ ምስ ኣረጋገጸ ጥራሕ’ዩ ጫማ ክወዲ ዝኽእል።

 => ኣብ ጽሬት ኣጻብዕቲ ኣጽፋርካ ግቡእ ምክትታል ክትገብር የድሊ። ሕማም ሽኮር ዘለዎ ሰብ ኣጽፋሩ ብጥንቃቐ ክቖርጽ ይግባእ። ንምምልኻዕ (ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ) ዝኾነ ዝልከ ነገር ኣብ ኣጽፋርካ ክትገብር ኣይግባእን።

 => ኣእጋርካ ልዕሊ ዓቐን ከይደርቕን ከይነቅጽን ምክትታል። ኣእጋርካ ድሕሪ ምሕጻብካን ብዝግባእ ምንቃጽካን ቅብኣት እናለኸኻ ንኸይደርቕ ክትሕልዎ ይምከር።

 => ነእጋርካ ነጻነት ዝህቦ ጫማ ክትወዲ ይግባእ። ጸቢብ ወይ ተሪር ጫማ ምውዳይ ረኽሲ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣይትዘንግዕ።

 => ክብደት ኣካላትካ ንምቁጽጻር ጻዕርታት ኣካይድ። ምኽሳዕ ሓደ ካብ ጠንቅታት ሕማም ሽኮር እዩ። ክብደት ኣካላትካ ብኣገባብ ብምቁጽጻርን ብምንካይን ኣብ ደምካ ዝህሉ መጠን ሽኮር ናብ ንቡር ደረጃ ንምውራዱ ከም ዝከኣል ኣስተብህል።

ከዘውትሮም ዘይብሉ፦

 => ብውዑይ ማይ ኣእጋርካ ክትሓጽቦ ኣይግባእን – እዚ ንስኻ ከይተረድኣካ ንቖርበትካ ከቃጽሎ ስለ ዝኽእል። ሓንሳብ ቆርበትካ እንተተቓጺሉ ድማ ናብ ዝበኣሰ ቁስሊ ክተምርሕ ትኽእል ኢኻ።

 => ጥራይ እግርኻ / ብዘይ ጫማ ክትጎዓዝ ኣይግባእን። ብጥራሕ እግርኻ ምጕዓዝ ንዝኾነ መጉዳእቲ ዝተቓላዕካ ምዃንካ ኣስተብህል።

 => ቁስሊ ምስ ዝህልወካ ካብ ትእዛዝ ሓኪም ወጻኢ ባዕልኻ ክትሕክሞ ኣይግባእን።

ምንጪ፦ healthline


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com