Friday , May 17 2024

ክፍሊ ትራፊክ፡ ንመደብ ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ምዝዋር መኪና ናብ 4 ግንቦት የሰጋግሮ።

ሓደስቲ ንክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ምዝዋር መኪና ዓይነታት A፡ B፡ BE፡ AM ን ተሳሓብቲ መካይንን ዝቐርቡ ሰባት ካብ 23 መጋቢት ክሳብ 4 ግንቦት ምዝገባ ደው ከምዝበለን እቶም ተመዝጊቦም ቆጸራ ዝሓዙ ግን ክሳብ ሓድሽ ሓበሬታ ብደብዳቤ ዘይመጾም እቲ መደብ ከምዘለዎ ከምዝቕጽል ተሓቢሩ። ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ቤት ጽሕፈት ግን ንኹሎም ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ንኽገብሩ ቆጸራ ዝለዎም ከይተረፈ ካብ 23 መጋቢት ክሳብ 30 ሚያዝያ ደው ከምዘበለ ሓቢሩ።

ነቶም ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ዘይሓልፉ እሞ ክሳብ 4 ግንቦት ግብራዊ ናይ ምዝዋር መርመራ ንኽገብሩ ቆጸራ ዝነበሮም ሰባት፡ እቲ ክለሰ ሓሳባዊ መርመራ ከይሓለፉ ናብ ግብራዊ መርመራ ክሳተፉ ከምዘይፍቀድ ተሓቢሩ። በዚ መምርሒ ዝጽለዉ ሰባት ብመንገዲ ደብዳቤ ወይ ሓጺር ጽሑፍ መልእኽቲ ክሕበሮም እዩ።

ቆጸራ ክሕዝ ዝደሊ ሰብ ግን ንድሕሪ 4 ግንቦት ሓድሽ ቆጸራ ንምሓዝ ክምዝገብ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ክፍሊ ትራፊክ ንዕድመ ናይ ዕዉት ክለሰ ሓሳባዊ መርመራን ግብራዊ መርመራን ናብ 6 ወርሒ ኣዛይድዎ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ስለዚ እቲ ዕድመ ናይ ዕዉት መርመራ ካብታ ዝተዓወተላ ዕለት ክሳብ 6 ኣዋርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com