Saturday , May 18 2024

ክፍሊ ኢመግረሽን 57 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ፈቃድ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ክፍሊ ኢመግረሽ ንሽወደን ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ሕዳር ጥራይ ኣስታት 57 ኤርትራውያን ዝረከብዎም ን 525 ስደተኛታት ፈቃድ ከምዝሃበ ሓቢሩ። ገለ ካብዞም ፈቃድ ዝወሰዱ ዝበዝሑ 127 ሶርያውያን ክኾኑ ከለዉ፣ ዝተርፉ ድማ 41 ኣፍጋኒስታውያን፣52 ኢራናውያን፣39 ትሩካውያን ዝተረፉ ድማ 209 ሃይሮም ዘይተለለየ እዮም።

ካብዚ ብምውሳኽ እዚ ክፍሊ ን ጉዳይ ኣብ ወርሒ ሕዳር  2179 ሶርያውያን ዝርከብዎም ን 7087 ሰባት ዜግነት ከምዝሃበን ገሊጹ። ገላ ካብዚኦም 794 ኢራቓውያን፣ 325 ኣፍጋንስታውያን፣ 266 ዜጋታት ዓባይ ብርጣንያ ይርከብዎም።

ብ ኣጠቃላሊ ክግብገም ከሎ ከፍሊ ኢመግረሽን ሽወደን ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራይ ብተወሳኺ ጉዳይት ምጥርናፍ ስድራቤት ን 2444 ስድራቤት፣ ፍቃድ ስራሕ ን 2315፣ ሓደሽቲ ሓተቲ ዑቑባ 1232፣ ፍቃድ ትምህርት ኣስታት 834 ዝረከቢዎም ገዳያት ከም ዘሳለጣ ወሲኹ ሓቢር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com