Saturday , May 18 2024

ክፍሊ ኣካላትካ ምውፋይ፡

ኣብ ሽወደን፡ ዓመታዊ፡ ኣስታት 700 ዝኾኑ ከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ሰባት፡ ሓደ ወይ ዝያዳ ክፋላት ኣካላት ወድሰብ ይውሃቦም። ንኣብነት ኩሊትን ልብን ማለት’ዩ። እዚ ድማ፡ ካብ ወሃቢ ናብ ተቐባሊ ብምስግጋር ይትግበር።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ብወፈያ ዝርከብ ብዝሒ ኣካላት ሰብ ኣይኣክልን እዩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ሕሙማን፡ ብሰንኪ ምጽባይ ወይ ድማ እቲ ዘድልዮም ክፍሊ ኣካላት ስለ ዘይርከብ ይሞቱ።

ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ክመውት ከሎ፡ ክፍሊ ኣካላቱ እንታይ ክኸውን ከም ዝደልዮ ክውስን ይኽእል’ዩ። ከምዚ ዝስዕብ ክግበር ይክኣል’ዩ።

¤ክፍሊ ኣካላቱ ንኸይህብ ይውስን፡

¤ናብ ሰብ ንኽሰጋገር ክውፈ፡ ወይ ከኣ፦

¤ንምስግጋርን ንሕክምናዊ ምርመራን ክጠቅም ክውፈ፡

ንኽውፈ ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ውሳነኻ፡ ናብቲ ናይ ወፈያ ክፍሊ መዝገብ፡ ብመገዲ እዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ማሕበራዊ ምምሕዳር፡ www. socialstyrelsen.se/donationsregistret ክትልእኮ ትኽእል ኢኻ

ሓደ ሰብ፡ ክፍሊ ኣካላቱ ከወፊ ከም ዝወሰነ ቅድሚ ምማቱ ንቤተሰቡ ዘይነገሮም እንተኾይኑ፡ ባዕላቶም ክውስኑ ይኽእሉ እዮም።

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com