Saturday , May 18 2024

ኮሌስትሮል እንታይ ማለትዩ ?

ኮሌስትሮል ስብሒ ዝኾነ ባእታ ወይ ጥረ ነገር እዩ።ኣካላትና ወሃዮታት፡ሆርሞናትን ሞትን ንኽሰርሕ ኮሌስትሮል ይጥቀም።ኮሌስትሮል ኣብ ጸላም ከብድና እዩ ምስራሕ።ብተወሳኺ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ እንምገቦም ዓይነት መግቢ ንረኽቦ።

ምልክታት ልዑል ኮሌስትሮል 
ልዑል ኮሌስትሮል ሕማም ኣይኮነን ከምኡውን ልዑል ኮሌስትሮል ምህላው ንባዕሉ ዝኾነ ምልክታት/ጥርዓናት ኣየርእየናን እዩ።
እንተድኣ ንነዊሕ ዓመታት መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ደምና ልዑል ኮይኑ ፡ ብሒ/ኮሌስትሮል ኣብ መናድቕ ሰራውር ደምና ይእከብ። ከምውጽኢቱ ድማ ሻምብቕታት ደም ይጸብብን ወይ ክዕጾ/ክዕበስ ይኽእል።ጸገማት ናይ ልቢን መትንታት ደምን ክገብረልና እል።ንኣብነት ኣንጃይና ፒክቶሪስ(ቃንዛ ናይ ደረት)፡ዕንወት ኩላሊት፡ወቕዒ ወይ ድኻም ልቢ ድኣመሰሉ ክገብረልና ይኽእል።

ዓይነታት ኮሌስትሮል
·Hdl(high density lipoprotein) ኮሌስትሮል ጠቃሚ ዝኮነ ኮሌስትሮል እዩ እቲ ጎዳኢ ዓይነት ኮሌስትሮል ድማ LDL(low density lipoprotein) ኮሌስትሮል እዩ።እዚ ጠቓሚ ዓይነት ኮሌስትሮል ማለት HDL ኣብ ደምና ልዑል ክኸውን ይኽእል እዚ ግን ንመትንታት ደምና ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።ልዑል መጠን LDL(ጎዳኢ ዓይነት ስብሒ) ኮሌስትሮል ኣብ ደምና እንተድ ኣሃሊዩና ንመትንታት ደምና ከጽብቦም ይኽእል ከምኡውን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ጸገማት ስርዓተ ዙረት ደም ንኽርውን።

ተኽእሎ ሓደጋ ሕማማት ልብን መትንታት ደምን ልዑል መጠን ዝኾነ Ldl(ጎዳኢ ስብሒ)ኮሌስትሮል ኣብ ደምና ጠንቒ ዝተፈላለዩ ሕማማት ስርዓተ ዑደት ደም እዩ።ካልኦት ነዚ ከጋድዱ ዝኽእሉ ድማ፡
ሕማም ሽኮርያ ፡ሕማም መገጣጥሞ ኣካላት፡ልዑል ጸቕጢ ደም፡ምትካኽ ጋራ፡ጭንቀት፡ልዑል ሚዛን ሰውነት፡ትሑት ዝኾነ ናይ ኣካላዊ ምንቅስቃስ፡ጥዑይ ዘይኮነ ኣመጋግባ ምምጋብ፡መዓልታዊ ልዕሊ 2 ብኬሪ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ።
ሕማማት ስርዓተ ዙረት ደም ካብ ደቀንስትዮ ንላዕሊ ኣብ ደቀ ተባዕትዮ ዝያዳ ይርኤ ምስ ምውሳኽ ዕድመ ድማ ተኽእሎታት ሕማማት ሻምብቆታት ደም እንዳለዓለ ይኸይድ።
።እንሓንሳብ ድማ ወሎዶ/ዓሌት ወሳኒ እዩ ናብነት ሂንዱ ልዑል ተኽእሎ ናይ ሕማማት ስርዓተ ዙረት ደምን ልብን ኣለዎም።

ጠንቒ ልዑል ኮሌስትሮል ኣብ ደምና
ምልውዋጥ መጠን ኮሎስትሮል ኣብ ደምና ብእንምገቦ ዓይነት መግቢ እዩ ዝምርኮስ።እንምገቦም መግቢ ጥዑይ ምስዘይከውን ትሕዝቶ ኮሌስትሮል ኣብ ደምና ልዑል ይኸውን።
ጥዕና ዘይህቡ መግቢ ክበሃል ከሎ፡ ውሑድ ፍሩታን ኣሕምልቲን ምምጋብ፡ውሑድ ውጽኢት ኣእካል ምምጋብ፡ቡዙሕ ሽኮርን ቡዙሕ ስብሒ ምምጋብን ማለትዩ።
ገለ ሰባት ሰውነቶም ብብዝሒ ኮሌስትሮል ናይ ምምንጫው ዝምባለ የርእዩ ፡ስለዚ ሰውነቶም ብብዝሒ ኮሌስትሮል ባዕሉ የዳሉ ማለትዩ።ጠንቁ ግና ዝፍለጥ ነገር የልቦን።ኮሌስትሮል ኣብ ደምና እንሓንሳብ ልዑል ክኸውን ይኽእል እዚ ድማ ብሰንኪ ናይ ስድራቤት ዝጸንሔ ጸገማት ምሕቃቅ ስብሒ ካብ ስድራና ክንወርስ ንኽእል።እዚ ድማ 1 ካብ 450 ሰባት ክርኤ ይኽእል።በዚ ናይ ጸገማት ምሕቃቅ ስብሒ ዝሳቀዩ ስድራቤታት ሕማማት ስርዓተ ዙረት ደም መብዛሕቱ ግዜ ቅድሚ 65 ዓመት ዕድመ የጋጥሞም።

መዓስ ኢና መጠን ኮሌስትሮን ኣብ ደምና እንምርመር
·እንተድኣ ሕማማት መትንታት ደምን ልብን ወይድማ ጥርዓናት ቃንዛ ልቢ ኣንጃይና ፒችቶሪስ(ቃንዛ ደረት)፡
ወቕዒ፡ድኻም ልቢን ሃልዮሙና
·እንተድኣ ሕማም ሽኮርያ ሃልዩና
·እንተድኣ ኩላሊትና ብግቡእ ስርሔን ምስዘይሰርሓ
·ላዕለዋይ ዓቀን ናይ ጸቕጢ ደም 140mmHg ወይ ልዕሊኡ ምስዝዕቀን
·ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ልዕሊ 50 ዓመት ዕድመ ምስዝገብሩ
·ልዑል ክብደት ሰውነት ምስዝህልወና
·እንተድኣ ካብ ወለድኻ ፡ሓውኻ፡ወይ ሓፍትኻ ቅድሚ 65 ዓመት ዕድሚኦም ሕማማት ስርዓተ ሻምብቅታት ድምን ወይ ናይ ልቢ ጸገማት ኔሩዎም
ወይድማ ወለዲ ፡ሓፍትኻ ፡ሓውኻ ወይ ውላድካ ኣዝዩ ልዑል መጠን ኮሌስትሮል እንተድኣ ኣለዎም
·እንተድኣ እዞም ኩሎም ጠንቕታት ንሓደጋ ሕማማት ስርዓተ ዙረት ደም ዘጋድዱ ወይ ዕድላት ዝውስኹ ኮይኖም፡ ምኽርን ማዕዳን ናይ ናብራ ቕዲ ትወስድ።ብተወሳኺውን መድሃኒት ብምውሳድ ነዞም ሕማማት ስርዓተ ዙረት ደም ንኸጉድሎም ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል።
መርመራ
መርመራ መጠን ኮሌስትሮል ብናይ ደም መርመራ ይካየድ፡ መዓስ ኢና ነዚ መርመራ ከይበላዕና ወይ ከይሰተና እንቐርብ፡
·ድሕሪ ድራርና ምብላዕና ድሕሪኡ ክንበልዕ ወይ ክንሰቲ የብልናን ፡ብጀካ ማይ ወይ ሻሂ (ብዘይ ሽኮር ብዘይ ጸባ )
·ክሳብ ደም ዝውሰደልና ድማ ንጸንሕ
·እቲ ቀልጢፉ ንግሆ መርመራ ዝወድኤ ቀልጢፉ ይቖርስ ማለትዩ።

ምኽርታት ልዑል መጠን ኮሌስትሮል
·ልዑል መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ደምና ልዑል ተኽእሎ ሕማማት ሻምብቆታት ደምን ልብን የኸትል ስለዚ መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ደምና ምጉዳል ኣገዳሲዩ፡ከምኡውን ንናይ ጠንቅታት ሕማማት ስርዓተ ዑደት ደምን ልብን ክንቆጻጸሮ ንኽእል።

እቶም ኣገደስቲ ክንወስዶም ዝግብኡና ነገራት
·ጥዑይ መግቢ ምምጋብ
·ብዙሕ ኣካላዊ ምንቕስቓስ ምግባር
·ሽጋራ ምትካኽ ደው ምባል
·ኣድላዪ እንተኾይኑ ክብደት ሰውነት ምጉዳል
·ኣልኮላዊ መስተ ምጉዳል ወይ ደው ምባል
·ውጥረት ወይ ጭንቀት ምጉዳል

·እንተድኣ ሕማም ሽኮርያ ፡ሕማም ምገጣጥሞ ኣካላት፡ወይ ልዑል ጸቕጢ ደም ሃልዩና እቲ ዝበለጸ
ነዞም ጸገማት ብግቡእ ክንፍወሶም ይግባኣና
·ብናይ ሕማማት ስርዓተ ዙረት ደም ወይ ጸገማት ልቢ ልዑል ናይ ምትሓዝ ተኽእሎ ኣሎካዶ? ስለዚ መጠን ኮሌስትሮል ዘጉድል መድሃኒት የድልየካ።እዚ ድማ ተኽእሎታት ሕማማት ልብን ሻምብቆታት ደምን ኣዝዩ ይንኪ።ወላኳ ሕማማት ስርዓተ መትንታት ደም እንተሃለወካ ጥዑይ ዝኾነ ናይ ናብራ ቅዲ ከምኡውን ምንካይ ኮሌስትሮል ጽቡቕ ትርጉም እዩ ዘለዎ።እዚ ድማ ተኽእሎ ሓደሽቲ ጸገማት ናይ ልቢ ወይ ሻምብቆታት ደም ይጎድል።
·ኮሌስትሮል(LDL) ዝንኪ መድሃኒት ትወስድ እንተድኣ ኮይንካ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ መጠን LDL (ሕማቕ ስብሒ) ኮሌስትሮል መርመራ ትገበር ።ድሕርዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 3 ወርሒ ክሳብ መጠን ኮሌስትሮል ዝንኪ መርመራ ትገብር።

ጽማቕ ትሕዝቶ
·ኮሌስትሮል ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ ን ኣካላትና እዩ
·ኣካላትና ባዕሉ ኮሌስትሮል ክምስርሕ ይኽእል ከምኡውን ካብ እንምገቦም መግቢ ክረኽቦም ይኽእል
·ልዑል መጠን ኮሌስትሮል ሕማም ኣይኮነን ባዕሉ ድማ ዝኾነ ናይ ጥርዓን ምልክታት ኣየርእየናን
·ነገር ግን ኣዝዩ ልዑል መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ደምና ንሰራውር ደምና ከጽብቦም ይኽእል
·ልዑል መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ደምና ጠንቂ ሕማማት ስሮኣተ ዙረት ደምን ልብን እዩ
·ልዑል መጠን ኮሌስትሮል ብናይ ጥዑይ ናይ ናብራ ቅዲን ከምኡውን እንሓንሳብ ብመድሃኒት ክፍወስ ይክኣል።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com