Saturday , May 18 2024

ኮምዩንካ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይሰርሕ

ኩሉ ኣብ ሽወደን ዝነብር ሰብ፡ ኣብ ኮምዩን፡ ማለት ምምሕዳር ከባቢ ይቕመጥ። ኣብዛ ሃገር 290 ኮምዩናት ኣለዋ። ኣብ ሽወደን ዘለዋ ኮምዩናት፡ ዜጋታት ክንደይ ዝኣክል ግብሪ ከም ዝኸፍሉን እቲ ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ከም ዝውዕልን ባዕላተን ይውስና። እዚ ድማ ኮምዩናዊ ርእሰ ምሕደራ ይብሃል።

ኮምዩናዊ ርእሰ-ምምሕዳር፡ ንገለ ውሱን ነገራት ኣመልኪቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዘሎዎም እኩባት ፖለቲከኛታት ዘለዉዎ እዩ። ንኣብነት ብጉዳይ ትምህርቲ፡ ክንክን ህጻናት፡ ክንክን ዓበይቲ፡ ማሕበራዊ ጉዳይ፡ ትራፊክ፡ ኣከባቢ፡ ንጥፈታት ዕረፍትን ባህልን ዝርከቡዎም ንጥፈታት የማልእ።

ፖለቲከኛታት ኮምዩናዊ ርእሰ-ምምሕዳር፡ ኣብ ነጻ ግዚኦም ዝነጥፉ ኣባላት’ዮም። እዚ ማለት ከኣ፡ ጎድኒ ጎድኒ ናይ ካልእ ስርሖም ወይ ትምህርቶም’ዮም ኣባላት ፖለቲካ ርእሰ-ምምሕዳር ኮይኖም ዝዋስኡ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ርእሰ-ምምሕዳር፡ ካብቲ ካልእ ዝተፈልየ መጠን ገንዘብ ይውሃቦ። ክንደይ ክወሃቦም ከምዘለዎ፡ ኣብ ባጀት ናይቲ ኮምዩን እዩ ዝምርኮስ። ነፍሲ ወከፍ ካብኣቶም ከኣ፡ ምምሕዳራዊ ጨንፈር ኣሎዎ። ኣብዚ ጨንፈር’ዚ፡ ኣባል ርእሰ-ምምሕዳር ዝወሰዶም ውሳነታት፡ ኣብ ምውጣንን ምትግባርን ተጸሚዶም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣለዉዎ። ዝበዝሕ ግዜ፡ ንመዓልታዊ ህይወትካ ዝምልከት ሓላፍነት ዝስከም፡ እቲ ኮምዩን እዩ።

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com