Friday , May 17 2024
Leon Panetta (AP Photo/Susan Walsh, File) / TT

“ኲናት ዩክሬይን ዝዓበየ ስትራቴጅያዊ ጌጋ ፑቲን እዩ” ሊዮ ፓኔታ። 

“ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንዩክሬይን ክወርር ምውሳኑ ዓብዪ ስትራቴጅያዊ ጌጋ እዩ ፈጺሙ” ክብል ኣባል ማእከል ስለያ ኣመሪካ CIA ነበር ከምኡውን ዋና ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልገለ ሊዮን ፓኔታ ገሊጹ።

ፑቲን ኣብ ዝሃለፈ ወርሓ ለካቲት ዝጀመሮ ኲናት ተዓዋቲ ኮይኑ ክወጽእ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘይብሉ ፓኔታ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ።

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንሓድነት ወተሃደራዊ ሽርክነት ኔቶ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣጠንኪርዎ ኣሎ ዝበለ ፓኔታ ሽወደን ኣባልነት እንተትሓትት ክሳብ ኣባልነታ ዝረጋገጽ ኣብ ዘሎ ናይ ምስግጋር እዋን ናይ ጸጥታ ውሕስነት ክወሃባ ከም ዝኽእል ወሲኹ ኣመልኪቱ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com