Saturday , May 18 2024

ወልፊ ንመደቀሲ ዝውሰድ መድሃኒታት

– ሓደ ሰብ ናይ ድቃስ ጸገማት ምስ ዘህልዎ:ሓኪም መደቀሲ ካኒና ክእዝዘሉ ይኽል:: እዚ መድሃኒት ድማ ንዝተወሰነ መዓልታት ይውሰድ::
– እዚ መደቀሲ መድሃኒት ንነዊሕ ግዜ ምስ ዝጥቀመሉ: ነብሱ ይወሃሃዶ እሞ እቲ ንቡር ዓቀን ኣይጠቅሞን:: ስለዚ ንክሰርሓሉ (ንክድቅስ) ብዙሕ ካኒና ክወስድ የድልዮ:: በዚ ድማ ኣብቲ መድሃኒት ውሉፍ ይኸውን::
– እቲ ዝበኣሰ ጸገም ድማ ብዝሒ ምጥቃም መድሃኒት ዘምጽኦ ጎናዊ ሳዕቤናት(ተወሰኽቲ ሕማማት) እዩ:: እቶም መዓልታዊ መደቀሲ ካኒና ዝወስዱ ብዘይ ካኒና ክድቅሱ ከምዘይክእሉ አዮም ዝኣምኑ::

ሳዕቤናት ብዝሒ መደቀሲ ካኒና ምጥቃም!
~ ምስልቻው ምሉእ መዓልቲ::
~ ምርሳዕን ናይ ኣድህቦ/ኣቃልቦ ጸገማትን::
~ ርእስኻ ጽርውርው ይብለካ::
~ ልዋም ድቃስ ኣይትድቅስን::
~ ጸገማት ምስትንፋስ: በዚ ድማ ብሮንካይትስ ወይ ኣዝማ ዘለዎም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይወድቁ ::
~ ኣብ ዓበይቲ ድማ ምውዳቅን መስበርትን የስዕብ::
ምቁራጽ ናይዞም መድሃኒታት ዘስዕቦ ሕማም
~ ኣብ ትድቅሰሉ ቀልጢፉ ድቃስ ኣይወስደካን::
~ ዘይንቡር ቅልጡፍ ህርመት ልቢ::
~ ሃንደበት ፍርሒ ይወረካን: ምብህራርን ::
~ ናይ ሓንጎል ምርባሽ: ፍርሒ : ጸቅጢ ኣእምሮ::
~ርእስኻ ተሓምም::
~ርሃጽ::
~ነብስኻ የንቀጥቅጥ::
~ ጽርውርው ምባል::
~ ምንፍጥፋጥ ኢድ::
~ ትሑት ጸቅጢ ደም::

ርእሰክንክን/ክትገብሮም ዘለካ!
ናብ ሓኪምካ ብምኻድ ምኽሪ ምውካስ: ቀስብቀስ መድሃኒትካ ምቁራጽ: ንኣብነት ÷ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሓንቲ ትወስድ:ካልአይቲ መዓልቲ ኣይትወስድን : ሳልሰይቲ መዓልቲ ሓንቲ ትወስድ: ራብዓይቲ ኣይትወስድን: ሓምሸይቲ መዓልቲ ውን ኣይትወስድን: ሻድሸይቲ መዓልቲ ትወስድ: ሻብዓይትን ሻምነይትን ኣይትወስድን: ኣብ ታሽዓይቲ ትወስድ: ኣብ ዓስረይቲ ዓሰርተሓደ ዓሰርተክልተ ኣይትወስድን ወዘተ.. ከምቲ ሓክምካ ዝኣዘዘልካ ኣገባብ ደው ኣበሃህላ ገርካ ምቁራጽ::

ምኽሪ መደቀሲ ካኒና ን ዝወስዱ!
> ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሓንቲ ካኒና ወሲድካ ኣብተን ዝቅጽላ ሰለስተ መዓልታት መደቀሲ ካኒና ዘይምውሳድ::
> ኣኣብ ሰለስተ መዓልቲ ሓንቲ ካኒና ምስትወስድ ወልፊ ንክሕዘካ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ አዩ ::

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com