Sunday , May 19 2024
(AP Photo/Jerome Delay) XJD118

ወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ፡ ንኣምባሳደር ፈረንሳ፡ ካብ ሃገሩ ሶጊግዎ

ድሕሪ ደጊም ናይ ፈረንሳ ኣምባሳደር ኣብ ማሊ ክጸንሕ ኣይፍቀዶን’ዩ።
ናይ ሽወደን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣን ሊንደ፡ ነዚ ውሳኔ ኣመልኪታ ዘሕዝን ፍጻመ ክትብል ኣብ ገጻት ትዊተር ከም ዝጸሓፈት ተፈሊጡ።
ኣምባሳደር ዮኤል ሜየር፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ማሊ ክወጽእ ከምዘለዎ እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ኣብታ ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ቴሌቪዥን ኣብ ዘቅረቦ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ።
ናይ ፈረንሳ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብወገኑ ኣብ ዘውጾ ሓጺር መግለጺ፡ ነቲ ኣዋጅ ናይቲ ጁንታ፡ ከም ዘድሃበሉ ብምሕባር ነቲ ኣብ ማሊ ዝግበር ዘሎ ወታሃደራዊ ወፍሪ ብዝምልከት  “ምስቶም ኤውሮጳውያን ማሓዙትና ዘለና ምድግጋፍ” ንገልጽ ክብል ኣፍሊጡ።
ሽወደን፡ ካብቶም ብርክት ዝበሉ ኣብታ ሃገር ወታሃደራት ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣን ሊንደ፡ ኣብ ገጻት ትዊተር፡ መንግስቲ ሽወደን “ነቲ መሪሕነት ናይ ማሊ ወታሃደራዊ ሓይሊ ንናይ ፈረንሳ ኣምባሳደር ‘ተቐባልነት ዘይብሉ ሰብ’ ክብል ዝወሰኖ ውሳኔ ኣዝዩ ከምዝሓዘና” ብምግላጽ ኣብ ጎኒ ፈረንሳ ደው ከም ትብል ገሊጻ።
“መንግስቲ ሽወደን፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ኣሎ። ምስ ናይ ፈረንሳን ካልኦት ዓለምለኻዊ ማሓዙትናን ናትና ናይ ባዕልና ወታሃደራዊ ተሳትፎ ሓዊሱ፡ ብዛዕባ እቲ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ማሊ ክሳተፈሉ ዝኽእለሉ መስርሕ ብዝምልከት ንማያየጥ ኢና ዘለና” ክብል እቲ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ናብ ተተ ዝተላእኸ መግለጺ ሓቢሩ።
ፈረንሳ፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚራ፡ ነቲ ማሊ ኣንጻር ግብረ ሽበራውያን ጉጅለታት ትገብሮ ቓልሲ ንምሕጋዝ፡ ወታሃደራታ ኣብ ማሊ ከምዘጽነሐቶም ዝፍለጥ’ዩ። ክልተ ግዜ ዕልዋ ብምክያድ ድሕሪ እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ናይ ማሊ ስልጣን ምጭባጡ ግና እቲ ኣብ ሞንጎ ፈረንሳን ማሊን ዘሎ ርክብ ውጥረት ዝበዝሖ እንዳኾነ ምምጽኡ ዝፍለጥ’ዩ።
ብሰንኪ እቲ ዕልዋ’ውን፡ ማሊ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካብቲ ማዕከን ምትሕግጋዝ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ECOWAS ክትወጽእ ከምዝተገብረት ዝዝከር’ዩ።
ኣባላት ናይቲ ዋግነር ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሩስያ ወታሃደራዊ ትካል ኣብ ጎኒ እቲ ጁንታ ተሰሊፎም ከምዘለዉ እዮም ምንጭታት ዝሕብሩ። ሽወደን ካብተን ወታሃደራተን ካብታ ሃገር ንኸውጽኣ ዝሓስባ ዘለዋ ብዙሓት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com