Saturday , May 18 2024

ወይቦ ኣብ ህጻናት

ኣብ ግዜ ጥንሲ ዕሸላት ኣብ ኣካላቶም ብብዝሒ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ይርከቦም። እቶም ዝበዝሑ ክፋል ናይዞም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም እቲ ህጻን ውልድ ምስ በለ ኣድላይነት ኣይህልዎምን። ስለዚ ድማ እቶም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ተሰባቢሮም ካብ ጥቕሚ ውጻኢ ክኾኑ ኣለዎም። እዞም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ምስ ተሰባበሩ ቢሊሩቢን (bilirubine) ዝበሃል ንጥረ ነገር ይፍጠር። ጸላም ከብዲ ድማ ነዚ ቢሊሩቢን ዝበሃል ንጥረ ንገር ካብ ኣካላት ናይቲ ህጻን ተልግሶ። እንተኾነ ግን እቲ ህጻን ሓድሽ ውላድ ስለ ዝኾነ እታ ጸላም ከብዲ ብንጥፈት ስርሓ ክትጅምር ይግባእ። በዚ ምኽንያት ድማ ንብምሉኡ እቲ ቢሉሩቢን ንምጽራይ እትገብሮ ስራሕ ብዙሕ ግዜ ዘይዕውት ይኸውን። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ቢሊሩቢን ኣብ ቆርበት ናይቲ ህጻን ይኽዘን እሞ እቲ ህጻን ድማ ብጫ ሕብሪ ይሕዝ። መብዛሕትኦም ህጻናት ካብ 2 ክሳብ 5 መዓልቲ ድሕሪ ምውላዶም ምብጫው ናይ ቆርበት የርእዩ። እዚ ድማ ንቡር እዩ።
ሓደ ሓደ ግዜ ግን እቲ ዓቐን ናይ ቢሊሩቢን ኣዝዩ ይበዝሕ እሞ ኣብ ሓንጎል ናይቲ ህጻን ጉድኣት ከምጽእ ይኽእል። ስለዚ እዩ ድማ ህጻናት ኣብ ፈለማ መዓልታት ናይ ህይወቶም ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምብጫው ከይህልዎም ተጠንቂቕና ኣንከታተሎም።

ሓደ ሓደ ህጻናት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ብዝለዓለ ብወይቦ ክጥቅዑ ይኽእሉ። እዚእቶም ድማ;
ልዕሊ 2 ሰሙን ካብ ንቡር ግዚኦም ኣቐዲሞም ዝተወልዱ
እቲ ፈለማ ዝረኽብዎ ጸባ ጡብ ኣደ ውሑድ ኮይኑ ምስ ምንዋሕ ግዜ ዘይውስኽ ምስ ዝኸውን
ኣብ ግዜ ምውላድ ሰመያዊ ስምብራት ኣብ ቆርበቶም ምስ ዝርአ ( ምልክት ናይ ኣብ ትሕቲ ቆርበት ዝነዝዐ ደም)
ኣብ ግዜ ሕርሲ ጸቕጢ ( stress) ምስ ዘጋጥሞም
ረኽሲ ዘጋጥሞም ህጻናት ናይ ቆርበት ምብጫው ንኸጋጥሞም ብዙሕ ተኽእሎ ኣለዎም
ወለዲ ሕማም ሽኮር ምስ ዝህልዎም እቲ ህጻን ናይ ምብጫው ተኽእሎ ክህልዎ ይኽእል።

ውላድካ ምብጫው ምስ ዘጋጥሞ እቲ ክኢላ ናይ መሕረሲ ኣብዞም ዝስዕቡ ነገራት የተኩር።
ኣበየናይ ክፋል ናይ ኣካላት ናይቲ ህጻን ከም ዝበጨወ ይዕዘብ። ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ናይ ኣፍ ወይ ዓይኒ።
እቲ ህጻን ንቑሕ ድዩ። ንኽምገብ ብቐሊሉ ይበራበር ድዩ።
ጽቡቕ ይጠብውን ቀልቀል ይወጽእን ድዩ።

ኣብዞም ዝስዕቡ ኣጋጣሚታት ናይ ደም መርመራ ክግበር ይግባእ=
እንተ ድኣ እቲ ህጻን ምስ ተወልደ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ምብጫው ኣጋጢምዎ።
እንተ ደኣ እታ ኣታ ኣደ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ህርሳ ደማ ምስ ደም ናይ ውላዳ ዘይተሰማሚዑ እሞ ናይ ዘይምስምማዕ ምልክታት ምስ ዘጋጥም።
እንተ ደኣ እቲ ህጻን ልዕሊ 6 ሰሙን ቢጫ ኾይኑ ጸኒሑ
ህጻን ምጥባው ምስ ዝኣቢ፣ ኣብ ግዜ ምጥባው ድማ ብቐሊሉ ምስ ዘይበራበርን ኣዝዩ ምስ ዝብጭውን
ምብጫው ጥራይ ዘይኮነ ተወሳኺውን ጻዕዳ ቀልቀል ወይ ድማ ጸሊም ሽንቲ ምስ ዝህልዎ
እንተ ድኣ ተወሳኺ ረኽሲ ዘለዎ መሲሉ

ልዑል ዓቐን ቢሊሩቢን ኣብ ደም ምስ ዝህሊ እንታይ ንገብር

መጠን ቢሊሩቢን ልዑል ምስ ዝኸውን ነቲ ህጻን ኣብ ሆስፒታል ብምውሳድ ኣብ ትሕቲ ሰመያዊ ብርሃን ንጸልዎ። እዚ ሰመያዊ መብራህቲ ነቲ ቢሊሩቢን ንኽምስራሕን ምስ ቀልቀል ተሓዊሱ ንደገ ከም ዝወጽእ ይገብሮን።

ንስኻኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፣
ቢሊሩቢን ፈለማ ብጸላም ከብዲ ጌሩ ተመስሪሑ ደሓር ናብ መዓንጣ ይኸይድ እሞ ምስ ቀልቀል ተሓዊሱ ይወጽእ። ስለዚ ድማ ነቲ ህጻን ብቐጻሊ ምስ እንምግቦ ቀልቀል ብብዝሒ ይወጽእ ኣሞ ንምጽራግ ናይ ቢሊሩቢን የቀላጥፎ።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com