Saturday , May 18 2024

ወዲ 20 ዓመት ተዝኸውን ሎሚ ምሸት 4 ሸቶታት መምዝገብኩ ግን ….. ዛላታን ኢቭራሂሞቭች

ትማሊ ምሸት ፈላሚ ግጥም ሰሪ ኣ ዘካየዳ ክለብ ጣልያን ኤስሚላን ቦሎኛን ኮይነን፣ ኣብ መጀመርያ መን 3 ነጥቢ ሓፊሱ ጹቡቅ ናይ ውድድር ግዜ የሕልፍ  ዝመስል ጸወታ ካብ ምጅማሩ እዩ ብመጥቓዕትታት ተሰንዩ ርሱን ምንቅስቃስ ዝተራእየሉ።

እንተኾነ ገዲም ክለብ ኤስሚላን ብ መንገዲ ገዲም ተጻዋታይ ዛላታን ኢቭራሂሞቭች ክልተ ሸቶታት ኣብ መበል 35ን 50 ደቓይቕ  ብምምዝጋብ ክልቡ ካብዚ ጸወታ 3 ነጥቢ ሓፊሳ ክትወጽእ ዝልዓለ ተራ ዝተጻወተ። ዛላታን ኢቭራሂሞቭች ብ ጋዜጠኛታት ተሓቲቱ ኣብዚ መለሰሉ ” ኣብ ናይ ሎሚ ጸወታ ወዲ 20 ዓመት ተዝነብር 4 ሸቶታት መምዝገብኩ ግን ወዲ 38 ናብ 39 ስለ ዘለኹ እየ 2 ሽቶታት ጥራይ ኣመዝጊበ ብምባል ” ንኩነታቱ ኣመልኪቱ ምላሽ ዝሃበ።

ካልእ ኣብ ናይ ትማሊ ግጥም ኣስቶንቪላ ምስ ሸፊል ዩናይትድ ዝነበረ ኮይኑ ካብ ኣርሰናል ተዓዲጉ ዝመጸ ሓልው ልዳት ማርቲንስ ኣብዚ ግጥም ቡዙሓት ኩዓሳሱ ን ሸቶ ዝኾና ከድሕን ከሎ ሓንቲ ፈጹም ቅላዕ ብምድሓን ን ክለብ ኣስቶንቪላ ኣብ 63 ደቂቅ ካብ ኢዝሪ ኮንሳ ዝረኸበታ እንኮ ሸቶ 3 ነጥቢ ሓፊሳ ክትወጽእ ዝዓዘዘ ተራ ተጻዊቲ።

ማንቸስተር ሲቲ ምስ ክለብ ወልቭስ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ንጸወታ ብምዕብላል ካብ ደብርዩን ፎደን ጋብሬል ጆሱስ ዝረከበትን 3 ሸቶታት ተሓጊዛ ነታ ካብ ራውል ኸሚኒዝ ኣብ 78 ደቂቅ ሓንቲ ሸቶ ዝረኸበት ወልቭስ 3 ብ 1 ብምስዓርት ጉዕዞ ኣዚ ወቕቲ ብዓወት ፈሊማቶ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com