Saturday , May 18 2024
A man who was not allowed to continue working after vaccination receives compensation of SEK 80,000 from the company, according to the union Unionen (AP Photo/Andrew Medichini, file) LLT110

ወፍርታት ክታበት፡ ኣብ ናእሽቱን ዓበይትን ክግበር፡ ክኢላታት ይመኽሩ

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እንተድኣ ቀጺሉ፡ ንዓበይቲ ዝኸውን ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበትን ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 12 ክሳብ 15 ዓመት ዘለዉ ድማ ክታበት ክወሃብን ክኢላታት ካብ  ሽወደናዊ ኣካዳሚ ሳይነስ መኺሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ብሰንኪ ጅር ኮሮና፡ ደልታ፡ ዝሰዓበ ምስፍሕፋሕ ለበዳ፡ ክቕጽል እንተድኣ ክኢሉ፡ ተወሰኽቲ ቀይድታት ኮሮናን መምርሒታት ክታበትን ክቃልሑ ከምዝኽእሉ እቶም ክኢላታት ሓቢሮም። ውጽኢት ክታበት ንምግምጋም፡ እዞም ክኢላታት፡ ብዓለም ደረጃ ዝተረኽቡ ውጽኢታት ይእክቡ ከምዘለዉን ኣየናይ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ብቐዳማይ ደረጃ፡ መከላኸሊ ክታበት ክወሃቦ ከምዝግባእ የጽንዑ ምህላዎም ተገሊጹ።

ዓበይትን ከምኡ ውን ኩነታት ጥዕነኦም ትሑት ዝኾነ ሰራሕተኛታት ጥዕናን እቶም ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወሃቡ ዝተመደቡ እዮም። እታ ሳልሰይቲ ክታበት፡ ድሕሪ ትሻዓተ ወርሒ ናይታ ካልኣይቲ ክታበት ክወሃብ መደብ ተገይሩ ኣሎ። እቶም ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ድማ፡ ከምተን ጎረባብቲ ሃገራት ኖርዲክ ዝገብረኦ ዘለዋ፡ ክታበት ከም ዝኽተቡ ክኾኑ እዮም።

ኣብ ልዕሊ በዓል መዚ ምቁጽጻር ለበዳ፡ ብሰንኪ ጅር ኮሮና፡ ደልታ፡ ሓደስቲ ጠለባት ከምዝቖሙ ኮይኖም እዮም። እዚ ጅር ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ጅር ኮሮና ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንጥቀመሉ ዘለና ክታበት፡ ኣንጻር ጅር ደልታ፡ ጽቡቕ ይሰርሕ ኣሎ። ንጽባሕ ከጋጥሙና ዝኽእሉ ሓደስቲ ጅር ኮሮና ግን ዝያዳ መጽናዕትን ምርምርን ክጽበዩና እዮም ክብል ካብ ኮለጅ ካሮለኒስካ፡ ጉልያን ካርልሶን ሀደስታም፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com