ጒዳይ ምስ ክልተ ርእሱ እተኣስረ ራፐር ንምሕታት ኣመሪካ ምክትል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ካርል ሪስ ናብ ሽወደን ምልኣኻ ተፈሊጡ። ሪስ ምስ ወከልቲ ቆንስላዊ ኣሃዱ ስቴት ዲፓርትመንት፡ ኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካን ሚኒስትሪ ፍትሒን ክራኸብ እዩ ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።
ብዙሓት ሰብመዚ ኣመሪካ ሽወደን ነዚ ናይ ራፕ ሙዚቀኛ ብምእሳራ ክዂንናኣ ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሽውደን ግና እቶም ሰባት ብዝፈጸምዎ ገበን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ብመሰረት ውዕል ቪየና ኲሉ ዝግባእ ክንክን እናተገብረሎም ከም ዝኾነን እያ ትገልጽ።