Thursday , May 16 2024

ካብ 20 ሓምለ 2019 ጀሚሩ ግዜያዊ ሕጊ ሓተትቲ ዕቚባ ግብራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ!!

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ለውጢታት እዚ ሓድሽ ሕጊ ንምጥርናፍ ስድራቤት ዝምልከት ብይን ይርከቦ” ክብል ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ’ሎ። “ነዚ ሕጊ ከበዳሉ ብዙሕ ኢና ሃሊኽና” ኣብቲ ክፍሊ ዝሰርሕ ፍረድሪክ ፔጀር። ባይቶ ሽወደን ዝሓለፈ ሰነ ግዜያዊ ሕቶ ዕቚባ ንኽልተ ዓመታት ከናውሕ ወሲኑ ኔሩ እዩ። ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ መለሳዊ ሓለዋ ዝረኸቡ ሰባት ከም ስደተኛታት መስል ምጥርናፍ ስድረቤታት ክህልዎም እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምጥርናፍ ስድራቤት ነቶም ብደረጃ “ስደተኛ” ዝተመዝገቡ ሰባት ጥራይ እዩ ዝምልከት ኔሩ። ኣብ ዓመታት 2019 ክሳብ 2021 ናብ 8ሽሕ ዝጽግዑ ስድራቤት እዞም ስደተኛታት ናብ ሽወደን ክኣትዉ እዮም ዝብል ግምታት ኣሎ። ከመልክቱ ንዝደልዩ ብብዙሓት ቋንቋታት እተዳለወ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com