Sunday , May 19 2024
(AP Photo/Robert F. Bukaty) MERB101

ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ ሰማይ ዓሪጉ

ካብ ዓመተ 2011 ጀሚሩ፡ ሃገረ ሽወደን፡ ኣብ ኣርባዕተ ናይ ዋጋ ከባቢታት ከምዝተመቕለት ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ ልዑል ምህላዉ እኳ እንተተፈልጠ፡ ካብ ሎሚ ስኑይ ጀሚሩ፡ ገምጋም ማእከላይ ዋጋ ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ገምጋም ማእከላይ ዋጋ ሃልኪ ኤሌክትሪክ ናይ ክልተ ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከባ ናይ ዋጋ ከባቢታት፡ 2.40 ክሮነር/ ኪሎዋት ኣዋር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ ሽወደን ዝርከባ ከባቢታት ድማ፡ 2.71 ክሮነር/ ኪሎዋት ኣዋር ምዃኑ ናይ ኤሌክትሪክ ኩባንያ ቲበር ሓቢሩ።

ሎሚ ሰኑይ ድማ፡ እቲ ዝለዓለ ዋጋ ሃልኪ ኤሌክትሪክ ክምዝገብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ደቡብ ሽወደን፡ ኣብ ሰዓታት 17፡00 ክሳብ 18፡00 ዘሎ ግዜ፡ ዋጋ ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ 4.34 ክሮነር/ ኪሎዋት ኣዋር ከምዝኾነን፡ ኣብ ሰሜን ሽወደን ድማ፡ ኣብ ሰዓታት 16፡00 ክሳብ 17፡00፡ ዋጋ ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ 3.70 ክሮነር/ ኪሎዋት ኣዋር ኮይኑ።

ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ ዝንህርሉ ዘለዉ ምኽንያታት፡ ምውሳኽ ዋጋ ነዳድን ምጉዳል  መጠን ናይቲ ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝምንጩ ማያውን ንፋሳውን ሓይሊ ጸዓት ምዃኑ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com