Sunday , May 19 2024
AP Photo/Mark Baker) XMB104

ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ፡ ኣብ ልዑል ደረጃ ይርከብ

ዋላኳ ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ ገና ብክብ ዝበለ ደረጃ ይቕጽል እንተሃለወ፡ ኣብ ንቡር ደረጃ ከም ዝርከብ እዩ ዝሕበር ዘሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ሶኑይ መዓልቲ፡ መዓልታዊ ህይወት ከም ብሓድሽ ክጅምር እንከሎ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ኖርድፑል ዘሎ መምዘኒ ምልውዋጥ ዋጋታት ሃልኪ ኤለክትሪክ፡ ኣብተን ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዝርከባ ክልተ ናይ ዕዳጋ ዞባታት ማለት ስቭያላንድን ደቡብን፡ ንሓደ ኪሎዋት ኣብ ሰዓት ዝግበር ወጻኢ 1.54 ክሮነር በጺሑ ከምዝርከብ ገሊጹ፡፡

እዚ ምስቲ ኣብ በዓል ክሪስትማስ ዝነበረ ዳርጋ ማዕረ `ኳ እንተኾነ፡ ካብቲ ቅድሚ በዓል ኣብ ዝነበራ መዓልታት ዝተመዝገበ ኣዚዩ ልዑል ዋጋ ግን ዝሓሰረ እዩ ኔይሩ፡ ፡

ዋላኳ ኣብተን ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ዝርከባ ክልተ ናይ ኤለክትሪክ ከባቢታት ናይ ኤለክትሪክ ዋጋ ኣጸቢቑ ዝትሕት እንተኾነ፡ ካብቲ ኣብ ድሮ-ልደትን መዓልቲ-ልደትን ዝነበረ ዋጋ ግን ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ እዩ ዝፍለጥ ክብል እቲ ዋጋታት ሃልኪ ኤሌክትሪክ ዝከታተል ማዕከን ገሊጹ፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com